ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ሕግታት ንሕብረትሰብ ተበጻሒ ዝገብር ማእከል ሓበሬታ ምድላው ሓቢሩ


ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ብርሃኑ ፀጋዬ
ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ብርሃኑ ፀጋዬ

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ ዝወፁ ሕግታት ንሕብረትሰብ ተበፃሒ ዝገብር ማእኸል ሓበሬታ ምድላው ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ።

እዚ ናይ ሓበሬታ መዋህለሊ ማእኸል ካብ 1934 ክሳብ 2010 ዓ.ም ዝወፁ ሕግታት ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ክረክብ ከምዘኽእል ዝሕግዙ ምዃኖም ተገሊፁ’ሎ።

ናይ ሰነዳት መረጋግፂን ምዝገባን ኤጀንሲ ኣሰራርሓ ንተገልገልቲ ብዝበለፀ ተበፃሒ ዝገብር ናይ ኢንተርኔት ኣሰራርሓ እውን ወግዓዊ ኮይኑ’ሎ።ከምዚ ዝበሉ ኣሰራርሓታት ኣብታ ሃገር ንዝተጀመረ መስርሕ ለውጢ ከምዝሕግዙ ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ብርሃኑ ፀጋዬ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG