ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፌደራል ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣብ ቅትለት ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ብዝተኣሳሰረ ተኸሰስቲ ንዘቕረቡዎም ዝበዝሓ ተቓውሞታት ውዱቕ ገይሩዎ


ፌደራል ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ዓቃቢ ሕጊ 15 ሰነ 2011 ዓ/ም ኣብ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ምስ ዝተፈፀመ ቅትለት ብዝተኣሳሰረ ዝኸሰሶም 13 ሰባት ንዘቕረቡዎም መብዛሕቲኦም ተቓውሞታት ውዱቕ ገይሩዎ።

ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጀነራል ስዓረ መኮነንንን ጥሮተኛ ሜጄር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ቀቲሉ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሓለቓ ዓሰርተ መሳፍንት ጥጋቡ “ነቶም ጀነራላት ኣበይ ከምዝቐተልኩዎምን ኣበይ ከምዝተታሓዝኩን ኣብቲ ኽሲ ስለዘይተጠቕሰ ብዝርዝር ክጥቀስ ኣለዎ’’ ዝብል ዘቕረቦ ተቓውሞ ግን እቲ ቤት ፍርዲ ተቐቢሉዎ’ሎ።ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ኽሲ ከመሓይሾ ኣዚዙ’ሎ።

ተኸሰስቲ ኣብ መአረሚ ይፍፀመና ኣሎ፤እቲ ቤት ፍርዲ እውን ገለልተኛ ስለዘይኮነ ናይ ቀደም ድራማ ይድገም’ሎ ዝብል ጥርዓን እውን ኣቕሪቦም ኣለው።

መ አረሚ ንዝቐረቡ ጥርዓናት መልሲ ክህብን ዓቃቢ ሕጊ እውን ክሱ ኣመሓይሹ ንክቐርብን ትእዛዝ ብምሃብ ቤት ፍርድዲ ን8 ጥሪ 2012 ዓ/ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG