ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፌስቲቫል ፊልም ቡርኪኖፋሶ፡ ኲናት ኣይዓገቶን


ኣብ ኣፍሪቃ ካብቶም ዝዓበዩ ምዃኖም ዝንገረሎም ፌስቲቫል ፊልም ፌስፓኮ (FESPACO) ናይ ቡርኪናፋሶ፡ እታ ሃገር ብውሽጣዊ ሕንፍሽፍሽን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ትሕመሰሉ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ፌስቲቫል መርኣያ ጽንዓት ተርእዩ ክቕጽል ምዃኑ ኣዳለውቲ እቲ ፌስቲቫል ኣመልኪቶም። ቅልውላው ቡርኪኖፋስ ንኣስታት ክልተ ሚልዮን ዜጋታት ኣመዛቢሉ፡ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ወሲዱ’ዩ።


እቲ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ክልተ ዓመት ዝካየድ ፌስቲቫል ፊልም፡ ጸጥታ እታ ሃገር ካብቲ ዝነበሮ ኣዝዩ ተጋዲዱ ደኣ ይዅን እምበር፡ መንፈስ እቲ ኣጋጣሚ ግን ከም ዘይተቐየረን ካብ 35 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ልዕሊ 1300 ፊልምታት ንውድድር ምምዝጋበን ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ኣመልኪቱ። ካብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣስታት 1500 ሰራሕቲ ፊልምን ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ሞያውያንን ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፌስቲቫል ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።

መንግስቲ ቡርኪናፋሶ ንተጋባእቲ እቲ ፌስቲቫል ውሕስነት ጸጥታ ክህብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ። ተዓዘብቲ ድማ ነታ ብውሽጣዊ ምክፍፋል እትሳቐ ዘላ ሃገር መለሳ ክዀናን ተዛማዲ ምርግጋእ ክፈጥረላን ተስፋ ይገብሩ።

XS
SM
MD
LG