ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፌስቡክ ኣብ መወዓውዒ ዝወጸ ጽሑፋት ጽልኢ ከለልይ ኣይከኣለን ተባሂሉ


ፋይል
ፋይል

ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ግሎባል ዊትነስ (Global Witness) ብዝተባህለ ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል ግልፅን ህውከት ዘለዓዕል መደረ ፅልኢን ዝሓዘ መወዓውዒ (ኣድቨርታይዝመንት) መልእኽቲ ኣብ ምፍላይ ዝተኻየደ ፈተና ደጊሙ ወዲቑ።

እቲ ጉጅለ ሰለስተ ብሄራት ኢትዮጵያ ማለት እውን ኣምሓራ፣ኦሮሞን ትግራይን ንሕድሕዶም ክቓተሉ ዝጽውዕ ሰብኣዊ ክብርታት ዘዋርዱ ናይ ፅልኢ መደረታት ዝሓዘ መወዓውዒ መልእኽቲ ፈጢሩ።ግሎባል ዊትነስ ከምቲ ኣብ መይንማር ዝገበሮ ምፍላጥ መደረ ፅልኢ ፌስቡክ ከይፈለጦ ዝሓለፈ ኣብዚ እውን ከይተፈለየ ሓሊፉ።ፀብፃብ ኣሶሴትድ ፕረስ እቲ ዝኸፍአ ድማ እቲ ጉጅለ ዝረኸቦ ንፌስቡክ ኣፍሊጡ እናሃለወ እዩ ፌስቡክ ካልኣይ ፈተና ዝወድቕ ዘሎ ይብል ።

XS
SM
MD
LG