ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፌስቡክ ምስ ዝመጽእ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ሓደ ስኑዕ  መርበብ ገጻት ምዕጻው ኣፍሊጡ 


ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ ትማሊ ረቡዕ ምስ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ንተጠቐምቲ ውሽጢ ሃገር ዒላማ ዝገበረ ሓደ መርበብ ገጻት ፌስቡክ ምዕጻው ኣፍሊጡ::

ፌስቡክ እቲ መርበብ ገጻት ምስ ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ውልቀሰባት ምትእስሳር ከምዘለዎ'ውን ሓቢሩ'ሎ::

ብመሰረት ሓበሬታ ፌስቡክ እቲ መርበብ ገጻት ዝዝርግሖም ዝነበረ ትሕዝቶ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ከምዝነበረን ኣብ ዜናታትን ፍጻመታት ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ንቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝሓውስ ምንባሩ ገሊጹ::

እቲ ትካል ወሲኹ እቲ መርበብ ገጻት ንተወዳደርቲ ፓርቲታት ከም ግንባር ናጽነት ኦሮሞ: ናይ ኢትዮጵያ ዲሞክራቲክ ፓርቲ: ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ካልኦት ፖለቲከኛታትን ነቐፌታ ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ::

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓላፊ ትካል ሓበሬታን ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉዳይ ርእይቶ ከምዘይሃቡ: ወሃቢ ቃል ቤትጽሕፈት ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ቢልለኔ ስዩም ግን እቲ ትካል ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ሰላም ብምዃኑ ነቲ ሕቶታት ናብኡ ክቐርብ ምሕባራ ሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ::

ፌስቡክ እቲ መርበብ ገጻት 'ዝተሓባበረ ዘይቅኑዕ ባህርያት' ዝብል ሕጊ ማሕበራዊ መራኸቡ ምጥሓሱ:ኣሜሪካ ኣብ ቐረባ ኣብ ልዕሊ ዝወሰደቶ ናይ እገዳ ስጉምቲ'ውን ርእይቶ ምሃቡ ፌስቡክ ገሊጹ'ሎ::

ፌስቡክ ብተወሳኺ እቲ መርበብ ገጻት ምንቅስቃሳቱ ንክልል ትግራይ ወይ'ውን ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ዘተኾረ ኣይነበረንን ኢሉ::

ሓደ ካብ ገጻት'ቲ መርበብ'ውን ኣስታት 1.1 ሚልዮን ተኸተልቲ ከምኡ'ውን 76,000 ዝተፈጥሩ ጉጅለታት ማሕበራዊ ሚድያ ምጽንባሮም ይገልጽ::

ፌስቡክ ወሲኹ እቲ መርበብ ገጻት ኣስታት 6,200 ዶላር ኣብ ዝዝርግሖም ዝነበረ ትሕዝቶታት ወጻኢ ምግባሩ'ውን ሓቢሩ 'ሎ::

XS
SM
MD
LG