ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፋይዘር ዘፍርዮ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ንካብ 5 ክሳብ 11 ዓመት ዘለው ህጻናት ውሑስ'ዩ ተባሂሉ


ፋይዘር ዘፍርዮ ክታበት ኮቪድ፡ ንካብ 5 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ውሑስን ኣድማዕን ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ።

ፋብሪካ መድሃኒት ፋይዘር ነቲ ክታበት ኣብ ጠቕሚ ንምውዓል ፍቓድ ከምዝሓትት`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ባይደን ንዘቕረብዎ ፖሊስ ኩሎም ሰራሕተኛታት ፈደራል መንግስቲ ክኽተቡ ምግዳድ፡ መጥቃዕቲ`ምበር ምክልኻል ኮረናቫይረስ ኣይኮነን ክብል ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሚሲሲፒ ተይት ሪቭስ ተቓዊምዎ። ንሱ ኣስዒቡ፡ እቲ ኣስገዳድ፡ ኣብ ልዕሊ ጻዕራማት ኣመሪካውያንን ጻዕራማት ሚሲሲፒያውያን ብባይደን ዝግበር መጥቃዕቲ`ዩ ኢሉ። ግዝኣት ሚሲሲፒ ካብ መንጎ ዝበዝሐ መትሓዝትን ሞትን ሳዕቤን ኮቪድ 19 ዝርኣየለን ግዝኣታት ኣመሪካ ምዃና`ዩ ዝንገር።

ኣብ ብሪጣንያ ድማ፡ ሎሚ ሰኑይ ንካብ 12 ክሳብ 15 ዓመት ቆልዑ ክታበት ምሃብ ተጀሚሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG