ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንፋስ ሰላም ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ኤርትራዊያን ኢትዮጵያዊያንን


ኣብ መቐለ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ተጋሩን ንፋስ ሰላም ብዝብል መሪሕ ቃል ዘተ ኣካይዶም። 12 ነሓሰ 2011 ዓ.ም ኣብ አዳራሽ ሃጸይ ዮውሃንስ ሆቴል ዝተሳለጠ ዋዕላ ኤርትራውያንን ተጋሩን ሰለስተ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቦም።

መድረክ ንፋስ ሰላም ንክልቲኡ ህዝብታት፤ ኣብ ዓዲ ዝነብር ሓደ ህዝቢ፤ ዘተና ንዘላቂ ሰላምና፤ ሓባራዊ ክብርታትና ንሓድነትና ብዝብሉ ጭርሖታት ተፀምቢሉ እዩ ተካይዱ።

ነቲ መድረክ ካብ ዘተሓባበሩ ብወገን ተጋሩ ተክለወይኒ ኣለም ብወገን ኤርትራውያን መሓሪ ተስፋንኪኤል ይርከብዎም። ዕላማን መንቀልን እቲ መድረክ ኣመልኪቶም ኣዋጊዖሙኒ ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG