ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፊላንድን ስዊድንን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ይሓታ


ኔቶ
ኔቶ

ስዊድንን ፊንላንድን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ(ኔቶ) ክጽንበራ ኣብዚ ወርሒ`ዚ ብወግዒ ኣመልኪተን ኣለዋ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝወሰደቶ ዘይምኽኑይ ወራር፡ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝጸንሐ ጸጥታዊ ኩነታት ከምዝቐየሮ፡ ዝገልጻ እዘን ክልተ ሃገራት፡ ብመንጽር ኑክሌራዊ ስግኣት ሩስያ፡ ሓባራዊ ርእሰ-ምክልኻል ከም ዘድሊ`ውን ይገልጻ`ለዋ።

ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ወላ`ውን ኣብ እዋን ጥርዚ`ቲ ዝሑል ኩናት፡ ኔቶን ሩስያን ንዕብላለ ኤውሮጳ ክወዳደራ ከለዋ፡ ፊንላንድ ጥንቁቕ ዝኾነ ዘይሻራውነት መርገጽ`ያ ክትሕዝ ጸኒሓ። ሕጂ ግን እቲ ሓሳብ ይቕየር ኣሎ፡ ፊንላንድ ናብ ኔቶ ክትጽንበር ትቀራረብ ኣላ።

ቲቲ ቱፑራይን፡ ሚንስተር ፊንላንድ ንጉዳያት ኤውሮጳ`ያ፡ንሳ “ሩስያ ንዩክሬን ድሕሪ ምውራራ ኩሉ ነገር ከም ዝተቐየረ ንጹር`ዩ። ንሕና ድማ ምስ ሃገራዊ ረብሓና ዝሳነ ክንገብር ግድን`ዩ። ንሕና ኣካል ምዕራብ ኢና። ስለዚ ኣባልነትና ኣካል`ቲ ምዕራባዊ ኪዳን ብምዃን ክንዛዝሞ ኢና።"

ኣብ ፊንላንድ ዘሎ ህዝባዊ ኣረኣእያ`ውን ይቕየር ኣሎ። ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ርብዒ ህዝቢ ፊንላንድ ጥራይ`ዩ ናብ ኔቶ ምጽንባር ዝድግፍ ኔሩ። ሎሚ ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 76 ሚእታዊት ክብ ኢሉ`ሎ።

ፒካ ሉታ፡ ነባሪ ከተማ ሀለንስኪ ፊንላንድ`ዩ ከምዚ ድማ ይብል: “ምስ ኣካይድኡ ዘይፍለጥ ጎረቤት ከም ቀደምና ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ንጸጥታና ብዝምልከት ከም ኣማራጺ ኮይኑ ረኺብናዮ ዘለና ናብ ኔቶ ምጽንባር`ዩ።"

ካልእ ነባሪት ሀልንስኪ ዝኾነት ሳና ኣልት ድማ ተመሳሳሊ ርእይቶ ትህብ።

“ንጅኦግራፊያዊ ክውንነት እንተርኢና፡ ኣባል ኔቶ ካብ ዘይኮና ሃገራት ዘይተወረረት ሃገር ንሕና ጥራይ ኢና። ስለዚ ንምንታይ ናብ ኔቶ ምጽንባር ከምዘድሊ እዚ ሓደ ሓቂ ይነግረካ`ዩ። ንሩስያ ብዙሕ ክኣምና የጸግመኒ`ዩ።"

ፊንላንድ ምስ ስዊዲን ብምዃን`ያ ናብ ኔቶ ትጽንበር ዘላ። ኔቶ ብወገኑ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ብታሕጓስ ከምዝቕበለን ኣፍሊጡ`ሎ። ክልቲአን ሃገራት ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ኮይነን፡ ምስ ኔቶ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ ምግባር ክሰርሓ ዝጸንሓ`የን። ኣብቲ ሩስያ ግዙፍ ወተሃደራዊ ህላዌ ዘለዋ ባልቲክን ሰሜናዊ ኤውሮጳን`ውን ነቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣብ ምሕያል ተራ ከምዝህልወን ትጽቢት ይግበር።

ብሪጋደር ጀነራል ሚንስትሪ ምክልኻል ፊንላንድ ሳሚ ኑርሚ፡ እቲ ምሕዝነት ትርጉም ኣለዎ ይብል፡“ንመጻኢ ዘይንዓቕ ቁጽሪ ዘለወን ፡ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ፡ ኣብቲ ኪዳን ክጥመራ`የን። እዚ ትርጉም ኣለዎ። ካልኣይ ድማ ወተሃደራዊ ብቕዓት`ዩ። ንሕና ድማ ንዓመታት ክንሃንጾ ዝጸናሕና ዘመናዊን ኣድማዕን ናይ ምክልኻል ሓይሊ`ዩ ዘለና።"

ሩስያ፡ ነቲ ምጽንባር ብምቅዋም፡ ፊንላንድን ስዊድንን ናብ ኔቶ እንተተጸንቢረን፡ 'ወተሃደራዊ ተክኒካዊ ግብረ ምላሽ' ኢላ ትጽውዖ ግብረ-መልሲ ከምዝጽበየን ክተጠንቅቕ ጸኒሓ`ያ። ንሱ ድማ ኣብቲ ካሊኒንግራድ ዝብሃል ናብ ውሽጢ ዝኣተወ ግዝኣት ሩስያ ኑክሌር ናይ ምትካል ምፍርራሕ`ዩ።

ሩስያ ንዩክሬን ቅድሚ ምውራራ፡ ቭላድሚር ፑትን፡ ኔቶ ሰራዊቱ ካብ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ክስሕብ ይጠልብ ኔሩ`ዩ። ኣብ ክንድኡ ግን ኔቶ ካልኦት ሓደሽቲ ኣባላት ክቕበል ተበጊሱ።

ኣብ 1917 ካብ ሩስያ ናጽነታ ዝኣወጀት ፊንላንድ ዘይሻራዊት ሃገር ኮይና`ያ ጸኒሓ። ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ግን ንሳ`ውን ካብ ጎረቤታ ዝኾነት ሩስያ ወራር ብምስጋእ ኣብ ናይ ጸጥታ ኣባልነታ ምትዕርራይ ክትገብር ክኢላ ።


XS
SM
MD
LG