ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፊሊፕነስ ንተወሰኽቲ ወታሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ማዕጾኣ ትኸፍት


ፋይል
ፋይል

ዝምድና ኣመሪካን ፊሊፕነስን ካብቲ ሻሕኪሩዎ ዝነበረ እናተመሓየሸ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ እታ ሃገር ንወታሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ዘገልግላ ኣርባዕተ መዓስከራት ከተፍቅድ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ። እዞም ኣብ መስርሕ ዘለዉ ወታሃደራውያን መዓስከራት ኣመሪካ፡ ብቐንዱ ነቲ ብቻይና ዝድፋእ ዘሎ ወታሃደራዊ ዕብለላ እቲ ዞባ ንምግታእ ዝዓለመ’ዩ።

ፊሊፕነስ ነዞም ሓደስቲ ወታሃደራዊ መዓስከራት ተፍቅድ ዘላ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብታ ሃገርን እቲ ዞባን ድሕሪ ዝገበርዎ ዑደት’ዩ። እቶም ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ምስ ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ፊሊፕነስን ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራት እቲ ዞባን’ውን ተራኺቦም ነይሮም።

እዘን ዝደሓራ ኣርባዕተ ስፍራታት ሓዊሱ፡ ፊሊፕነስ ንወታሃደራዊ መዓላ ኣመሪካ እትህቦ መዓስከራት ናብ ትሽዓተ ክድይብ’ዩ።

እተን ንወታሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ከገልግላ ተሓርየን ዘለዋ ቦታታት ፊሊፕነስ፡ ድሕሪ ዘድሊ ምርመራ፡ ንወታሃደራዊ ስልጠናታትን ሓለዋ ማያትን ከገልግላ ምዃነን ሎይድ ኦስቲን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም። እቶም በዓል ስልጣን ወሲኾም ብወገን ቻይና ቅልጡፍ ወታሃደራዊ ምዕባለታትን ጎቦጣታት ጎረባብቲ ሃገራትን ይርአ ስለ ዘሎ እቲ ወታሃደራዊ መዓስከር’ውን ነዚ ብቻይና ይርአ ኣሎ ዝበሎ ምስፍሕፋሕ ኣብ ምግታእ ወሳኒ ተራ ክህሉዎ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG