ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2012 ክካየድ ዝተወጠነ ሃገራዊ ምርጫ ሕገ መንግስቲ ብዘቐመጦ ጊዜ ክካየድ ምውሳኑ ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2012 ዓ/ም ክካየድ ዝተወጠነ ሃገራዊ ምርጫ ሕገ መንግስቲ ብዘቐመጦ ክኻየድ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ምውሳኑ ተሓቢሩ።ካብዚ ዝተፈለየ መርገፂ ዘለዎም ኣካላት ብድምፂ እንተስዒሮም ግን ኢህወዴግ እቲ ምርጫ ይናዋሕ ንዝብል ሓሳብ ከምዝግዛእ ድልው እዩ ክብሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ሓላፊ ጉዳያት ፖለቲካዊ ፓርትታትን ስቪክ ማሕበራትን ኣቶ ፈቃዱ ተሰማ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደን ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተዛዘመ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናዊ ዴሞክራሲ ግንባር /ኢህወዴግ/ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት እታ ሃገር ብምውሳን ኣኼብኡ ዛዚሙ’ሎ።

ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ካብ መንጎ ዝተዘራረበሎም ኣጀንዳታት ሓደ ግዜ ሰሌዳ ምርጫ ምዃኑ ኣቶ ፈቃዱ ገሊፆም ኣለው።

“ኢህወዴግ ናይ 2012 ምርጫ ሕገ መንግስቲ ብዘቐመጦ መሰረትን ብዝተቐመጠሉ ግዜን ክካየድ ኣለዎ ዝብል ፅኑዕ መርገፂ ኣለዎ።”

ኣቶ ፈቃዱ ብምስዓብ እቲ ምርጫ ንኢህወዴግ እንታይ ውፅኢት ከምፀአሉ እዩ ዝብል ዘይኮነ ንሕገ መንግስቲ መሰረት ገይሩ ኣብ እዋኑ ክካየድ ፅኑዕ እምነት ኣለዎ ኢሎም።

“ኢህወዴግ ሕገ መንግስቲ ንክኽበርን ፅኑዕ እምነት ስለዘለዎ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ መርገፂ ሒዙ’ሎ።ካልኦት ንምርጫ ዝውስኑ ኣካላት ክህልው እዮም።ነቲ ምርጫ ዝውስኑ ኣካላት ብድምፂ ዝስዕሩዎ እንተኾይኖም ግን ነቲ ድምጺ ክቕበሎ’ዩ።”

ኣቶ ፈቃዱ ምርጫ ዝውስኑ ዝበሉዎም ኣካላት ብሽም ኣይረቑሑዎምን።

ንሶም ውህደት ፓርትታት ዝምልከት ህብረ ብሄራዊ ውድብ ሓደ ውፁእ ሃገራዊ ፓርቲ የድልዮ እዩ ዝብል ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ እቲ መፅናዕቲ ከምዝተወድአን ብኣሓትን ኣጋር ውድባትን ልዝብ ይካየደሉ ከምዘሎ ሓቢሮም።እቲ ዝርርብ ምስተወድአ ናብ ፈፃሚ ስራሕን ቤት ምኽሪን ኢህወዴግ ክቐርብ እዩ ኢሎም።

ኣቶ ፈቃዱ ተሰማ ኣብ መንጎ ህውሓትን ኣዴፓን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ እውን ብናይ ኢህወዴግ ኣገባብ ኣፈታትሓ ኣብ ክንዲ ክፈትሑ ናብ ደገ መውፅኦም ጌጋ ተባሂሉ ከምዝተገምገመን ንመጻኢ ክእረም ከምዘለዎን ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG