ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈጻሚ ስራሕ ፌስ ቡክ ሲቪልን ፖለቲካዊን ጉጅለታት ንትካሉ ክጥቐምሉ ከምዘይመክር ገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኩባንያ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ ትካሉ ናይ ስቪልን ፖለቲካዊን ጉጅለታት ነቲ መድረኽ ክጥቀምሉ ከምዘይመክር ገሊፁ።

እቲ ኩባንያ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ቅድሚ እቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ተጠቀምቲ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ብግዚያዊነት ኣጊዱ ነይሩ።

ፌስቡክ ትማሊ ረቡዕ ከምዝሓበሮ ድማ እዚ ቀዋሚ ከምዝገብሮን ኣብ ዙሪያ ዓለም ድማ ከምዘስፍሖ ኣፍሊጡ።

ዲሞክራት ሰኔተር ኤድ ማርከይ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ንዙከርበርግ ኣብ ዝፀሓፉዎ መልእኽቲ ጉጅለታት ፌስቡክ ጉጅለታት መጫጨሒ ፅልኢ እዮም ክብሉ ብምፅዋዕ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ህንጻ ወከልቲ ህዝቢ 6 ጥሪ ንዝተፈፀመ ወራር መተለሚ መድረኻት ነይሮም ኢሎም።

ዙከርበርግ ሎሚ ሓሙስ ምስ ተንተንቲ ኣብ ዘካየዶ ኮንፈረንሰ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ዝጥቅዕዎ መጠን ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ንምንካይ ስጉምትታት ንምውሳድ ይሓስብ ምህላው ተዛሪቡ።

XS
SM
MD
LG