ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈጻሚ ስራሕ ውድብ ዓረና ምዱብ ኣኼብኡ ኣቓኒዑ


ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ዓረና ንሉአላዊነትን ዴሞክራሲን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ።

ኣብቲ ኣኼባ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ ውድብን ፓለቲካዊ ሃገራዊ ኩነታት እቲ ኮሚቴ ገምጋም ምክያዱ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት እቲ ውድብ ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተዛሪቦም።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ኣኼብኡ ብብርኪ ሃገር ንፓለቲካዊ ምንቅስቓስ ምቹእ ኩነታት ምፍጣር ምጅማሩ፤ ብኣንፃሩ ግና ኣብ ክልል ትግራይ እዚ ኣካይዳ ዝሑል እዩ ኢሎም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርአ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ምፍፃምን ናይ ጉጅለ ፍትሒ እውን እቲ ውድብ ከምዝኹንኖ እውን ተገሊፁ።

ፈጻሚ ስራሕ ውድብ ዓረና ምዱብ ኣኼብኡ ኣቓኒዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:35 0:00

ኣብ ከይዲ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ጠሚቱ ዘተ ከምዝተኻየደ ዝገለፁ ኣይተ ዓምዶም እቲ ከይዲ ሰላም እቲ ውድብ ከምዝድግፎን ብተወሳኺ እዚ ከይዲ ሰላም ህዝቢ ማእኸል ብዝገበረ መስርሕ ክፍፀም ከምዝግባእ ይኣምን ኢሎም።

ብዶክተር አረጋዊ በርሀ ምስ ዝምራሕ ውድበ ዴሞክራስያዊ ምትሕብባር ትግራይ ድማ ውህደት ወይ ድማ ግንባር ንምፍጣር ዘተ ተጀሚሩ ኣሎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፈጻሚ ስራሕ ውድብ ዓረና ምዱብ ኣኼብኡ ኣቓኒዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:32 0:00

XS
SM
MD
LG