ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንለውጢን ልዕልና ሕጊን ዝምልከት ኣኼባ የካይድ ኣሎ


ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብታ ሃገር ይካየድ ኣብዘሎ ለውጥን ምኽባር ልዕልና ሕጊ ብዝምልከት ይዘራረብ ከምዘሎ ተገሊፁ።ካብ 36 ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ ሓደ ዝኾኑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ኣቶ ፈቃዱ ተሰማ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል ኣብቶም ኣጀንዳታት ነፃን ግልፅን ምይይጥ የካይድ ኣሎ ኢሎም።

ንሶም ኣስዒቦም እቲ ኣኼባ እቲ ለውጢ የጋጥሞ ዘሎ ፈተናታት ልዕልና ሕጊ፤ስርዓት ኣልቦነት፣ፅንፋዊነት፣ዝተወደበ ስርቅን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምልከት ዝተሰርሑ ስራሓት’ውን ዝግምግም እዩ ኢሎም።

“ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢህወዴግ ዘለው ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ምጥርጣራት፣ኣብ ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ ዝርኣዩ ነገራት፣ንሓድነት ኣመራርሓ ዝሽርሽሩ ነገራት ብዝርዝር፣ብግልፂ፣ብብስለትን ሓላፍነትን ብዝተመልኦ ኣገባብ ምዝርራብን ምእራምን ዝከኣለሉን ሓድነት ዝሕይለሉ ኣንፈት ምቕማጥ እዩ።”

ብገበን ስለዝተጠርጠሩ ኣብ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ዘይሳተፉ ኣባል ኣለው ዝብሃል ሓቂ ድዩ ተባሂሎም ዝተሓተቱ ኣቶ ፈቃዱ እቲ ኣኼባ ናይ ውልቀ ሰብ ወይ ናይ ሓደ ፍፃመ ዘይኮነስ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት እዩ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG