ዋሽንግተን —
ንዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ስሩዕ አኼብኡ ከካይድ ዝቐነየ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ መግለጺ ብምውጻእ አኼብኡ ዛዚሙ’ሎ።
እቲ መግለጺ ከምዝበሎ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ኣብቲ ኣኼብኡ ንትግባረ ዓሙቕ ተሃድሶን ዝተረኽቡ ውጽኢት ብዝተለምደ ውድባዊ ባህሊ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ብዝረግኣ ኣገባብ ብዑምቀት ገምጊሙ’ሎ ኢሉ’ሎ።
እቲ ፈጻሚ ስራሕ ድሕሪ’ቲ ዓሙቅ ተሃድሶ ዝተወስዱ ስጉምቲታት ለውጢ ቅድሚ ሎሚ ይረአ ዝነበረ ድኽመት ኣፈጻጽማ ዝርእዮም ዝነበሩ ጉዳያት ብቅልጡፍ ክፍጽሙ ብምጅማሮም ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ክምስገቡ ይክኣሉ’ዮም ተባሂሎም ዘይሕሰብ ዓወታት ተመዝጊቦም ኣለው ኢሉ’ሎ።