ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሰሜን ጎንደር ምብጻሕ ፈጺመን


ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ቴሬስ ጃኮብሰን
ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ቴሬስ ጃኮብሰን

ብሰንኪ ውግእ ካብ ክልል ትግራይ ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ኣብ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባት ዘዕቆቡ መግቢን መሰረታዊ ቀረባትን ኣብ ዘይተማልአሉ ኩነታት፣ ኣጸጋሚ ህይወት የሕልፉ ከምዘለው ገሊጾም።

እቶም ተመዛበልቲ ነዚ ዝገለጹ፣ ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ቴሬስ ጃኮብሰን ነቲ መዕቆቢ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን እዩ።

እተን ኣምባሳደር ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ነቶም ተመዛበልቲን ብሰንኪ ውግእ ንዝተሸገሩ ዜጋታት፣ ዝተፈላለዩ ደገፍ ኣብ ምግባር ከምዝጸንሐትን፣ ዕላማ መገሸአን ናብ’ቲ ከባቢ’ውን ንሱ እዩ ኢለን።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣሜሪካ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስና መግቢ ንዝካየድ ጻዕሪ ዝውዕል ፭፭ ሚልዮን ዳለር ንኢትዮጵያ ከምዝለገሰት ተፈሊጡ።

XS
SM
MD
LG