ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈጠራዊ ብልሒ ዝኾነ ቻት ጂፒቲ ፖለቲከኛታት ክጥቀምሉ ይደልዩ


ፈጠራዊ ብልሒ ዝኾነ ቻት ጂፒቲ ፖለቲከኛታት ክጥቀምሉ ይደልዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:16 0:00

ፈጠራዊ ብልሒ ዝኾነ ቻት ጂፒቲ ፖለቲከኛታት ክጥቀምሉ ይደልዩ

ኣካል ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ማለት ፈጠራዊ ብልሒ ዝኾነ ቻት ጂፒቲ፡ ናይ ትምህርቲ ፈተና ሓሊፉ፡ ግጥሚ ጽሒፉ፡ ኣብ ክፍልታት ቤት ትምህርቲ ተመዲቡ፡ ሕጂ ድማ ፖለቲከኛታት ክጥቀምሉ ይደልዩ ኣለዉ።

እንተኾነ እዚ ብቕልጡፍ ዝምዕብል ዘሎ መሳርሒ፡ ጭብጢ ዘይብሉ ሓበሬታ ኣብ ምፍብራኽ'ውን ይሰርሕ ምህላዉ ክኢላታት ስኽፍታኦም ይገልጹ።

ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ብናይ ኣመሪካ ትካል “ኦፐን ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ” ዝተዘርግሐ 'ቻትቦት' ማለት ሰብ-መሰል ዝርርብ ዘማዕበለ ሶፍትወር ፡ ኣብ ፖለቲካ'ውን ብፍላይ ኣብ መድረኻት ክርክር ነጥብታት ኣብ ምምዝጋብ ዕዙዝ ቦታ ኣብ ምሓዝ ይርከብ።

ቀዳማይ ሚንስተር ጃፓን ፉሚዮ ኪሺዳ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፡ ንመዳይ ጥዕና ዝምልከት ካብ ሓደ ተቓዋሚ ኣባል ፓርላማ ሕቶ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ካብቲ ኣርቲፊሻል ብልሒ ብቐጥታ በዳሂ ሓሳብ ኣጋጢምዎ`ዩ። ኣብቲ ንጥዕና ዝምልከት ዓንቀጽ ሕጊ ድማ፡ ሓዲሽ ሓሳብ ንክኣቱ እቲ ኣርቲፊሻል ብልሒ ሓሳብ ኣቕሪቡሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ዘይፈለጦ ነገር ግን፡ እቶም ተቓወምቱ ንቻት ጂፒቲ ተጠቒሞም`ዮም ሕቶታት ኣውጺኦም። ካብቲ ቀዳማይ ሚንስተር ዝሃቦ መልሲ ዝያዳ ሓቀኝነት ዘለዎም መልስታት`ውን በቲ መሳርሒ ጌሮም ኣዳልዮም። እንተኾነ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር`ውን “ናይ ባዕለይ መልስታት ዝያዳ ንጹርነት ዝሓዙ`ዮም” ዝብል ግብረ መልሲ ሂቡ`ዩ።

ኣብ ፈረንሳ ሓላፊት ማሕበር ሰራሕተኛታት ሶፊ ቢነት፡ መደረ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፡ “ብቻት፡ጂፒቲ ክግበር ዝኽእል ዝነበረ`ዩ” ድሕሪ ምባላ ብዙሕ ኣዛሪቡ ኔሩ።

እንተኾነ መደረታት ኣብ ምጽሓፍን ሕግታት ኣብ ምንዳፍን እቲ ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ`ውን ኣብ ጠቕሚ ክውዕል ጸኒሑ`ዩ።

ካብ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ ዋሺንግተን ዳቪድ ካርፕፍ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተገብረ ናይ ክኢላታት መድረኽ-ዘተ "ንቻት-ጂፒቲ ከምኡ`ውን ብሓፈሽኡ ኤይ.ኣይ፡ ከም ሞተር መፈልፈሊ ሓሳባት ምውሳዱ ጠቓሚ`ዩ “ ኢሉ ኔሩ።ንሱ ወሲኹ “ ዝበዝሐ ኣብ ፖለቲካ ንገብሮ `ውን ሞተር ፍልፍል ሓሳብ ተጠቒምና ኢና" ኢሉ።

ቻት-ጂፒቲ ከም ኣብ ኣመሪካ ጌሩ ተመስጦ ዘበጋገሰ የለን።

ዝሓለፈ ወርሒ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ናንሲ መይስ ኣብ ኮሚቴ ሰነት ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ መደረ ኣብ ዝሃበትሉ እዋን፡ ብዛዕባ ጠቕምን ጉድኣትን ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ተዛሪባ ኔራ። ኣብ መወዳእታ መዕጸዊ ዝገበረትሉ ግን “ ነብስ ወከፍ ቃል ብቻት-ጂፒቲ ዝተመስርሐ`ዩ” ዝብል`ዩ።

ከባቢያዊ ፖለቲከኛ ባሪ ፋይንጎልድ ብወገኑ ካብኡ ሕልፍ ኢሉ፡ ጉጅልኡ ንሰነት ማሳቹሰት ረቂቕ ዓንቀጽ ሕጊ ንምጽሓፍ ንቻት-ጂፒቲ ከምዝተጠቕሙ ኣፍሊጡ`ዩ።

`ኣኒ መዊሲ` ካብ ዩኒቨርሲቲ `ልይደን` ነዘርላንድስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናይ ዳች ጋዜጣ `ረገልማት` ሓደ ጽሑፍ ኣውጺኣ ኔራ። ንሳ ኣብ ቻት ጂፒቲ`ውን ተመሳሳሊ ፈተነ ከምዘካየደትን እቲ ፕሮግራም ሓዲሽ ሓሳብ ከም ዘቕረበላን ኣመልኪታ።

እንተኾነ ቻት ጂፒቲ ገለ ሕጋዊ ጽሑፋት ከፈልፍል ዝኽእል`ኳ እንተኾነ፡ ኣባላት ባይቶ ኣብ ነንሕድሕዶም ኣብ ምጥቕቓዕ ነቲ መሳርሒ ከይጥቀሙ ትመክር።

ንሳ ኣብቲ ጽሑፋ “ብዛዕባ ጽልዋታት ተፈጥሮ ከባቢ፡ ብዛዕባ ወገናውነት ከምኡ`ውን ኣብ `ኦፐን ኤ-ኣይ` ክርአ ዝኽእል ጉዳይ ስነ-ምግባር ዝበሉ ነገራት ንጹር ስለዘይኮነ፡ እቲ ዝህቦ ቁምነገር ንግዚኡ ዝተሓጽረ`ዩ" ትብል።

`ኤ፡ኣይ`(AI) ከም ምሕታት ልግሲ ገንዘብ ኣብ ዝበሉ ነገራት መልእኽቲ ኣብ ምስዳድ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል`ዩ፡ እንተኾነ እቲ ፕሮግራም ንፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝትክእ ስልጠና ክግበረሉ ዝኽእል እንተኾይኑ ኣዘራራቢ ኮይኑ`ሎ።

ቻት-ጂፒቲ ድሮ ፖለቲካዊ ማዕበል ኣልዒሉ`ሎ፡ ሓደ ካብኡ ናብ ሊበራላዊ ኣተሓሳስባታት ዝዛዘየ ሓሳብ `ዩ ዘፍልቕ ዝብል`ዩ። እቲ ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ፡ ንዶናልድ ትራምፕ ዘመጉስ ግጥሚ ምጽሓፍ ኣብዩ፡ ነቲ ዝተክኦ ፕረዚደንት ባይደን ግን ሓደ ክልተ ጽሒፉሉ።

ቢልየነር ኤሎን ማስክ `ውን ኣብ ዕድላት`ቲ ፕሮግራም ስለያ ኣካይዱ`ሎ።

`ኤ፡ኣይ` ማለት ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ስልጣነ ከጥፍእ`ዩ ዝብል መጠንቀቕታ ኣብ ዝስማዓሉ ዘሎ እዋን፡ኤሎን ማስክ ግን ትሩዝ ጂፒቲ ማለት ሓቀኛ ጂፒቲ ዝብል ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ከማዕብል`የ ይብል ኣሎ፡ ንሱ ወሲኹ ካብቲ ሊበራላዊ ኣተሓሳስባ ናጻ ዝኾነ ኤይ፡ ኣይ ምዃኑ`ዩ ይገልጽ።

ተመራማሪ ነውዚላንድ ደቪድ ሮዛዶ ንቻት ጂፒቲ ብናይ ባዕሉ `ራይትዊንግ ጂፒቲ` ዝብል ሽም ቀይሩ ኣብ ክብርታት ስድራቤት ናጻ ኤኮኖሚን ካልእ የማናዊ ኣተሓሳስባን ኣብ ምትኳር ይመራመር ኣሎ።

ካብ መን ሓሚቕና ዝበሉ ጸጋማውያን ድማ ፡ “ማርክሲስት ኤይ.ኣይ” ዝብል ኣርቲፊሻል ብልሒ መስርሒቶም ኣለዉ።

ክኢላ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ ዋሺንግተን ዳቪድ ካርፕፍ"ፍሉጥ ፖለቲከኛ፣ ኣማኻሪ ወይ ጎስጓሳይ ፖለቲካ ዘይኮንኩ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ምኽንያቱ ኣፈልፋሊ ሓሳብ ዝኾነ ኤይ.ኣይ ባዕሉ ክገብረልካ ስለዝወሰንካ “ ይብል ።

XS
SM
MD
LG