ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ብከቢድ ገበናት ጠርጢረዮም ዝበሎም 50 ላዕለዎት ሓለፍቲ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም


ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያት ፅሕፈት መንግስቲ ብከቢድ ገበናት ጠርጢረዮም ዝበሎም ልዕሊ 50 ላዕለዎት ሓለፍቲን ካልኦትን ሎሚ ሶኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡዎም።

ካብ ኣገልግሎት ዕደጋ፣ዋና ዳይረክተር ምምሕዳርን ምውጋድን ንብረት መንግስቲ ኣቶ ይገዙ ዳባ ሓዊሱ 27 ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ካብ ኮርፖረሽን ስራሓት ህንፀትን ማያት ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዝነበሩ ኣቶ ኣታኽልቲ ተካ ሓዊሱ 16 ተጠርጠርቲ ቐሪቦም።

ካብ ኮርፖረት ንግዲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ መንግስቲ ከበደ ሓዊሱ ሸውዓተ ተጠርጠርቲ ቀሪቦም ኔሮም።

ብኻልእ ወገን ተጠርጠርቲ ኣብ ኣተሓሕዝኦም በደል ተፈፂሙና ክብሉ ጠሪዖም።ኣብ ቁፅፅር ካብ ዝውዕሉ ምስ ቤተሰቦም ከምዘይተራኸቡን ፅርየቱ ኣብዘይሓለወ ቦታ ከምዝተኣሰሩን ብምግላፅ ክመሓየሸሎም ሓቲቶም።ቤት ፍርዲ ነቲ ኽርክር ሰሚዑ ዝቕጽል ቆፀራ ሂቡ’ሎ ።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ - ምዕላው ናይ ሱዳን ዑመር ኣልበሽር፡ ንጂኦ-ፖለቲካ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG