ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈደራል ፖሊስ ሎሚ ሓሙስ መቐለ ኣትዩ


ፋይል- ከተማ መቐለ
ፋይል- ከተማ መቐለ

ፈደራል ፖሊስ ሎሚ ሓሙስ መቐለ ኣትዩ።

መንግስትን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ዝኸተምዎ ስምምዕ መሰረት ጌሩ ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ሎሚ መቐለ ምእታዉ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ'ሎ።

ተልእኩኡ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡን ብፈደራል መንግስቲ ዝመሓደሩን መዓርፎ ነፈርቲ ከምኡ እውን ሓይሊ ኤለክትሪክ ቴሌኮምን ባንክን ካልኦት ኣገልግሎታት ዝህቡ ትካላት ምሕላው ምዃኑ ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ኣመልኪቱ'ሎ።

ቅድሚ ሎሚ እውን ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ትግራይ ኣትዮም ነቲ ሕብረተሰብ ናይ ምርግጋእን ንተፈናቐልቲ ናብ ቦትኦም ምምላስ ዘኽእል ናይ ጸጥታን ድሕነትን ምኽባር ስራሕን ክሰርሕ ምጽንሑ እውን ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG