ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2011 ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረ ህውከት ብምስታፎም ዝተጠርጠሩ ልዕሊ 1,300 ሰባት ክሲ ምቕራቡ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢፌድሪ ኣቶ ዝናቡ ቱሉ ዓመተ 2011 ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ስቓይን ጥፍኣትን ገዲፉ ከምዝሓለፈ ገሊፆም።
“ኣብ ኩሎም ክልላት ብዝተፈጥሩ ህውከትን ዕግርግርን ህይወት ኣስታት 1,229 ሰባት ዝጠፍአ ክኸውን ከሎ ልዕሊ 1,393 ሰባት ድማ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ወሪዱዎ’ሎ።ብዙሓት ካብ መነባብርኦም ምዝባሎምን ኣብ ልዕሊ ብሚልዮን ብር ዝግመት ንብረት ዕንወት ተፈፂሙ እዩ።”
ኣብ ልዕሊ 1,300 ተጠርጠርቲ ክሲ ከምዝተኸፍተ ዝገለፁ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢፌድሪ ኣቶ ዝናቡ ቱሉ ካብዚኦም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተው 65 ሰባት ከምዝኾኑን ካብ ዝተኸሰሱ ሰባት ገለ ብዘለዎም ፖለቲካዊ መዝነትን ናይ ብሄር መንነትን ከም መከላከሊ ብምጥቃም ካብ ብሕጊ ምሕታት ከምልጡ ዘካይድዎ ፈተና ዕንቅፋት ከምዝኾኖም'ውን ገሊጾም ኣለው።