34 ናይ ህወሓት ፋይናንሳውን ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪያዊ ትካላትን ናይ ባንኪ ሕሳበን ከምዝኣገደ ናይ ፈደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ።
ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ንሃብቲ'ተን ትካላት ዝሕሉ ኣመሓዳሪ ከም ዝሸውም'ውን ተገሊጹ'ሎ።
ሱር ኮንስትራክሽን፥ ጉና ትካል ንግዲ፥ ትራንስ ኢትዮጵያ፥ መስፍን እንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ፥ ሰላም ናይ ህዝቢ መመላለሲ ማሕበር፥ መጋ ትካል ሕትመት፥ ኤፈርት፥ ገንዘቦም ካብ ዝተኣገዶም 34 ትካላት ገሊኦም'ዮም።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ዳይሬክተር ክፍሊ ምምላስ ብገበን ዝተታሕዘ ሃብቲ ዕላማ ተኣግዶ እተን ትካላት ምስ ዘይሕጋውያን ኣካላት ርክብ ብምግባርን ብምትሕብባርን ከምዝተጠርጠራ ሓቢሩ'ሎ።
ከምኡ'ውን እተን ትካላት ሃብተን ንምህዳም ይፍትና ከምዘለዋ እኹል መረዳእታ ስለዝተረኽበ እቲ ንብረት ከይሃደመ ግቡእ ቁጽጽር ምግባር ኣድላዪ እዩ ኢሉ።
ነተን ትካላት ዝሕሉ ሓዲሽ ኣመሓዳሪ ከምዝሽወም ዝገለጸ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ፥ እቲ ኣመሓዳሪ ክሳብ ዝምደብ ግን ሓለፍቲ'ተን ትካላት ዝግባእ ሓለዋ ክግብሩ ተነጊሮም ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ።