ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ሰልፊ ወርሒ ሰነ ዝተተኮሰ ነታጊ ንዝተጠርጠሩ 5 ሰባት ክሲ ኣቕሪቡ


ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሰነ ንድጋፍ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝነበረ ሰልፊ ምስ ዝተተኮሰ ቦምብ ብዝተሓሓዝ ንዝተጠርጠሩ 5 ሰባት ክሲ ምምስራቱ መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም።

በቲ ፍጻሜ ክልተ ሰባት ምሟቶምን ልዕሊ 150 ሰባት ምቑሳሎምን ይዝከር።

ብመሰረት ሓበሬታ ፋና ብሮድካስቲን ፈደራል ዓቃብ ሕጊ ክስታቶም ንምቕራብ 15 መዓልታት ክወሃቦምን ናይ ዋሕስ መሰል ጥርጡራት ድማ ክንጸግን ሓቲቶም ኣለው።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ መዝነት ካብ ዝሕዙ ምልዓል ኣዋጅ ህጹጽ እዋን: ምፍታሕ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ፖለቲካ እሱራትን ከምኡ እውን ምስ ኤርትራ ንዝሓለፍ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ወጥሪ ክፍታሕን ኣገልግሎት መስመር ስልኪን በረራን ምጅማር ዝኣመሰሉ ለውጥታት ምት እትታዎም ዝዝከር ኮይኑ ነታ 100 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ካብ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ተገሊላ ዝጸንሓትሉ መስርሕ ከምዘውጽእዋ ምግላጾም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG