ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ፈደራል መንግስቲ ተኹሲ ደው ንምባል ዝወሰነ ከይፈተወ'ዩ' ኣቶ ጌታቸው ረዳ


ወሃቢ ቃል ምምሕዳር ክልል ትግራይን ህወሓትን ዝኾኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝፀሓፉዎ ተከታታሊ ናይ ትዊተር መልእኽታት መንግስቲ ክልል ትግራይን ህወሓትን 'ሓይልታት ኣብይ' ኢሎም ዝፀውዕዎም ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ቶኽሲ ደው ንምባል ዝወሰኑ ከይፈተው እዮም፣'ሓይልታት ኣገኘሁ ተሻገር' ኢሎም ዝፀውዕዎም ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ራያን ፀለምትን ተፀሪጎም ገባራት ሚሊሽያታት ምስኦም ዘራኽብ ስለዘይብልና ናብ ስድሮም ምምላስና ሓቅታት መሊስና ንምግላፅ ንደሊ ኢሎም።

ኣቶ ጌታቸው ኣብይ ኣህመድ ኣንፃር ትግራይ ንኢትዮጵያዊያን ዘተኣኻኽቡ ዘለው ኣካል ፖሊሲ ከፋፊልካ ምግዛእን ንሰላም ድልየት ከምዘይብሉን ኣብ ክንድኡ ንተወሳኺ ምፍሳስ ደም ዝተዳለው ምዃኖም ዘርኢ እዩ ኢሎም ። ንህዝብና ኣብ ስግኣት ዘውድቕ ዝተረፈ ኣፅዋር ዘይምህላው ንምርግጋፅ ኣድላይ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢሎም ወሲኾም።ንኢትዮጵያ ካብ ምብትታን ወፃኢ ካልእ ስራሕ የብሉን ዝበሉ ኣቶ ጌታቸው ሰላምን ምቁራፀ ተፃብኦታትን ንደሊ ኢና እዚ ዝኸውን ግን ዘቐመጥናዮቅድመ ኩነታት ምስ ዝማልኡ እዩ ኢሎም።

ትማሊ መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ህወሓት ንኢትዮጵያ ንምፍራስ ቆሪፁ ተላዒሉ ኣሎ ክብሉ ምኽሳሶም ይዝከር።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ብወገኖም ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቁራፅ ቶኽሲ ብምትግባር ንሰራዊቱ ካብ ክልል ትግራይ ዘውፅአ ንሰላም ተባሂሉ እዩ ነይሩ፣ ዋጋ የኽፍሎ'ሎ ህወሓት ዝጀመሮ ምትንዃይ እነተቐፂሉ ግና መንግስቲ ንውሳንኡ ገምጊሙ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝግደድ ምግላፆም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG