ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈደራላዊ ምምሕዳር ኣሜሪካ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ንዝለዓለ ተጠንቀቕ ስርሑ ምጅማሩ ተገሊጹ


ናይ ኣሜሪካ ፈደራላዊ ምምሕዳር ህጹጽ ሓደጋ ንዝለዓለ ተጠንቀቕ ስርሑ ጀሚሩ`ሎ-።ንተላጋቢ ሕማም ኮሮናቫይረስ ምላሽ ንምሃብ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ`ውን ስልጣን ዋይት ሃውስ ብዝለዓለ ደረጃ ንምጥቃም ተበጊሱ`ሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ወሲኹ “ ንሃገራዊ ምክልኻል ንምሕጋዝ ዘገልግል ምህርቲ ኢንዱስትሪ ንኽንጥቀም ዝገብር ሕጊ Defense Production Act ምናልባት ዘድልየና እንተኾይኑ ክነተግብር ኢና” ኢሉ።

ፕረ. ትራምፕ ብተወሳኺ ክልተ ወተሃደራዊ ሆስፒታላት ዝዓጠቓ መራኽብ ሓንቲ ናብ ኒው ዮርክ ካልኣይቲ ድማ ገና ናብ ዘይተወሰነ ቦታ ከምዝምድብ ኣፍሊጡ`ሎ።

ሚንስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ማርክ ኤስፐር ብወገኑ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ 5 ሚልዮን ዝኸውን መተንፈስን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንሲቪላት ከምዝለቅቕ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG