ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈደራላዊ መርመራ ገበን ድሕሪ ፍተሻ መንበሪ ቤት ፕረ.ትራምፕ ዝረኸቡዎ ገና ኣይተነጸረን



መካይን ፖሊስ ኣብ ኣፍደገ መንበሪ ቤት ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ
መካይን ፖሊስ ኣብ ኣፍደገ መንበሪ ቤት ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ

ፈደራላዊ መርመራ ገበን ኣመሪካ (ኤፍ.ቢ.ኣይ) ንኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ብፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝውነን ገዛ ብሓይሊ ኣትዮም ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ ምፍታሾም እንታይ ከም ዝረኸቡን ዝወሰዱን ዛጊት ኣይተሓበረን።

እቶም ፕረዚደንት ነበር ድሕሪ’ቲ ፍጻመ ኣብ ዘውጽኡዎ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ “ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ከምዚ ዝመስል ጥሕሰት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ተፈጺሙ ኣይፈልጥን፡” ብምባል ፕረዚደንት ባይደንን እቲ ትካል መርመራን ነቲ ስራሕ ደው ከብሉዎን ንፖለቲካዊ ዒላማ መሳርሒ ካብ ምግባር ክቝጠቡን ጸዊዖም።

ኣብ እዋን ተፍትሽ ኣብ ኒው-ዮርክ ከም ዝነበሩን ምስ ሰብ-መዚ ጸጥታ ዘድሊ ምትሕብባር ክግበሩ ምጽናሖምን ዘመልከቱ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ገዛኦም ብሃንደትን ዝተገብረ ስራሕ ደው ክብል ጸዊዖም። ትካል ፈደራላዊ መርመራ ገበን (ኤፍ.ቢ.ኣይ)ን ክፍሊ ፍትሒን ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ተሓቲቶም መልሲ ኣይሃቡን።

ክፍሊ ፍትሒ ግን ኣቐዲሙ ከም ዘመልከቶ፡ ኣገደስቲ ሰነዳት ዝሓዘ 15 ሳናዱቕ እቶም ፕረዚደንት ነበር ኣብ ናይ ፍሎሪዳ መንበሪኦም ተቐሚጡ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ከም ዝረኸቡን ኣብ ምድላይ ምጽንሖምን ገሊጹ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG