ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈይስቡክ ናይ 5 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ተበይኑሉ


ፈደራላዊ ኮሚሽን ንግዲ ኣመሪካ ፈይስቡክ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንመሰል ብሕትውና ሓበሬታ ዓማዊሉ ብዘይምኽባሩ ናይ 5 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ክቕጻዕ ከምዝተወሰነ ሎሚ ኣፈሊጡ።

እቲ ፈደራላዊ ኮሚሽን ንግዲ ኣመሪካ ነዚ ብይን ኣብ ልዕሊ ፈይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፈሉ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተዋህቡ መቕጻዕትታት ብርዝነት ክብረወሰን ከምዝሓዘ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ኩባንያ ፈይስቡክ ብወገኑ በቲ ዝካየድ ዝነበረ መርመራ ክንድኡ ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ክቕጻዕ ከምዝኽእል ኣሚቱ ካብ ሰልስተ ክሳብ ሓሙሽተ ቢልዮን ዝኸውን ካብ ቀዳማይ ርብዒ እቶቱ ከምዘዳለወ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ብመሰረት ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ፈይስቡክ ነቲ ኣብ 2012 ዝተመሓላለፈ መዘክር ወይድማ ኣዋጅ ንብሕትውናን ሓበሬታ ዓማዊል ንኻልእ ናይ ዘይምምሕልላፍ ዝገልጽ ውሳነ ብምጥሓስ ንናይ 80 ሚልዮን ሓበሬታ ዓማዊሉ ግዳይ ከምዝገበረ ተጠቒሱ።

ፈደራላዊ ኮሚሽን ንግዲ ነዚ ናይ ሓሙሽተ ቢልዮን መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ ፈይስቡክ ከንብር እንከሎ ሰለስተ ብኽልተ ናይ ድምጺ ብልጫ ብምርካቡ እዩ።


ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዜና: ቦርድ ኣመሓደርቲ ፈይስቡክ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ብሕትውና ሓበሬታ ዓማዊሉ ዝወረደ ጸገም ኣብ መሳርዑ ለውጢ ከተኣታቱ ተወሲኑ ኣሎ። እዚ ድማ ሓደ ንናይ ብሕትውና ሓበሬታ ዓማዊል ዝከታተል ኣባል ከተኣታቱ ብይን ተዋሂብዎ ኣሎ።

ብዘይካዚ ፈይስቡክ ብናይ ኣመሪካ ኮሚሽን ጸጥታን ምልውዋጥን ንዝቐረበሉ ክሲ 100 ሚልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ተበይኑሉ ። ፈይስቡክ ሓደ ተመራማሪ ንዓሰርተታት ሚልዮናት ሓበሬታ ዓማዊሉ ብዘይ ኣገባብ ኣብ 2015 ምሻጡ ኣቐዲሙ ኣፍልጦ ነይርዎ ብዝብል ክሲዩ ነዚ ናይ 100 ሚልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ወሲኑሉ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG