ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ፈንረሳ ንጥሩፋት እስላም ተዕጥቕ ኣላ” ወታሃደራዊ መንግስቲ ማሊ


ወታሃደራት ፈረንሳ ካብ ማሊ ዝርከብ መደበር ኣብ ዝወጽሉ ዝተወስደ- ፋይል
ወታሃደራት ፈረንሳ ካብ ማሊ ዝርከብ መደበር ኣብ ዝወጽሉ ዝተወስደ- ፋይል

ወታሃደራዊ መንግስቲ ማሊ፡ ኣብቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ጥርዓን፡ ፈረንሳ ንኣሸበርቲ ጥሩፋት እስላም ተዕጥቕ ኣላ ክብል ከሲሱ። እቲ ደብዳብ “ፈረንሳ ልዕሊ 50 ጊዜ ሰማያት ማሊ ብምጥሓስ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነጥፉ ሓበሬታን ስንቂን ተቐብሎም” ኣሎ ክብል የመልክት።

ኣብ ማሊ ዝርከብ ኤምባሲ ፈረንሳ ነቲ ክሲ መሰረት-ኣልቦ ክብል ነጺጉ። ከም መግለጺ ኤምባሲ ፈረንሳ፡ እታ ሃገር ናብ ማሊ ዝኣተወት ብዕድመን ጻውዒትን መንግስቲ ማሊን ነቶም ጥሩፋት ንምቅላስ ስለ ዝዀነ እቲ ዝተባህለ ክሲ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ ክብል ገሊጹዎ።

ፈረንሳ ካብ 2013 ኣትሒዛ ወታሃደራታ ኣብ ማሊ ከተሳትፍ ዝጸንሐት ኰይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ግን ካብታ ሃገር ክትስሕብ ከም ዝወሰነት ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑል ማክሮን ሓቢሩ ኔሩ።

ከም መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ’ውን ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ብምሉኡ ወጺኡ’ዩ። ማሊ ብተወሳኺ ነቶም እስላማዊ ጥሩፋት ጉጅለ ንምልቃቕ ካብ ሩስያ ሓገዝ ክትቅበል ከም ዝጀመረት ይግለጽውን እቲ ሓገዝ ኣብ ቀረባ እዋን ናብታ ሃገር ዝኣተዋ ወታሃደራዊ ነፈርቲ'ውን የጠቓልል።

XS
SM
MD
LG