ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 ተዛዚሞ


ኣብ ኣስመራ ቀጽሪ ኤክስፖ ክካየድ ዝቐነየ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 ተዛዚሙ።

“ባህሊ ጽንዓት ብጽንዓት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ 16 ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ኣስመራ ቀጽሪ ኤክስፖ ክካየድ ዝቐነየ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ትማሊ ሓሙስ 22 ነሓሰ ምሸት ብዝተኻየደ ናይ ሽልማት ወግዓዊ ጽምብል ተዛዚሙ`ሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምዝዛም ኣካያዲ ስራሕ ቤ/ጽ ሽማግለ ብዓላት ኣቶ ተስፋይ በርሀ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ዝቀረቡ ውድድራውን ናይ ምርኢት መሰናድኦታትን ፡ መሃርቲ ፡ኣዝናጋዕትን ንኤርትራዊ መንነት ዝገልጹን ከምዝነበሩ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ንተዓወቲ ውልቀ-ሰባት፡ ትካላትን ዞባታትን መተባብዒ ስልማት ተዋሂቡ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 ተዛዚሞ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:12 0:00

XS
SM
MD
LG