ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ፈስቲቫል ኤርትራ መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይተረፈ ዝተዓዘብዎ ምንባሩ ፍሉይ`ዩ”


“ሰላም ንዘላቒ ዕብየት” ዝብል ቴማ ዝዓሰሎ ፈስቲቫል ኤርትራ 2018፡ ብዘይካ `ቲ ልሙድ ንባህልታትን መንነትን ብሄራትን ዞባታትን ዝገልጽ ምድላዋት፡ ብመንጽር ህልው ኩነታት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተቓነየ ምዃኑ ፍሉይ`ዩ ክብል ካብ ኣዳለውቲ ሓደ ኣርቲስት መሓመድ ዕስማን ይገልጽ።

ገለ ተሳተፍቲ ድማ፡ ብፍላይ ንጸጋታት ቀይሕ-ባሕርና ብዝምልከት ቀረባት ውሒዱና ይብሉ።

ካልእ ትሕዝቶ ናይ ሎሚ ቂሔ-ጽልሚ፡ ኣብ መቐለ ዝርከብ ወኪልና ኣለም ፍስሃ፡ ንሓደ ትሸዓተ መጽሓፉ ዘመርቕ ዘሎ መንእሰይ ኣዘራሪቡ`ሎ።
XS
SM
MD
LG