ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ ተጸንቢሉ


ፌስቲቫል ኤርትራዊያን ሰሜን ኣመሪካ 2021
ፌስቲቫል ኤርትራዊያን ሰሜን ኣመሪካ 2021

መበል 47 ዓመታዊ ጽንብል በዓል ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ ቀዳምን ሰንበትን 14ን 15ን ነሓሰ,2021 ኣብ ዋሺግተን ዲሲ ተኻዪዱ።

ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዘይኮነስ፡ ብጥርኑፍ ኣገባብ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ`ዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ንክልተ መዓልታት፡ ቀዳመ-ሰንበት፡ መምርሕታት ኮቪድ ተኸቲሉ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ካብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣመሪካ ዝመጹ ኣስታት ሓደ ሺሕ ዝኾኑ ተሳተፍቲ ተረኺቦም ኔሮም። ፍሉይ መለለይ ዓመታዊ ፈስቲቫላት ብዝተፈላለያ ግዝኣታት ዝቖማ ቁሸታት ማለት ዳሳት ክኾና ኸለዋ፡ ሎሚ ዓመት`ውን ንኹለን ብሄራት ኤርትራ፡ ባህልን ጥበብን ብዘንጸባርቕ መንገዲ ብመጠኑ ተደኩነን ኔረ። እተን ቁሸታት ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ማሕበረ-ኤኮኖሚያዊ ኩነታት ንምጉላሕ ጻዕርታት ከምዝገበራ`ውን ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦምን ወከልቲ ይገልጹ።

ፌስቲቫል ኤርትራዊያን ሰሜን ኣመሪካ 2021
ፌስቲቫል ኤርትራዊያን ሰሜን ኣመሪካ 2021

ናይ`ቲ በዓል ቀንዲ ዛዕባ ዝነበረ ብጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣላሚን መሓመድ ስዒድ ካብ ኣስመራ ብርሕቀት ዝሃቦ ሰሚናር ክኸውን ከሎ፡ ንሱ ኣብ ዘርብኡ፡ “ኤርትራ ተጻብኦታት ሰጊራ ምሉእ ዓቕማ ናብ ማሕበረ-ኤኮኖሚያዊ ዕብየት ገጻ ኣብ ትምልሰሉ እዋን፡ ዞባዊ ተጻብኦታት ሕጂ`ውን ስለዘየብቅዐ ብምሉእ ዓቕማ ናብ ልምዓታዊ ለውጢ ከተድህብ ኣይክኣለትን፡” ኢሉ። ይኹን`ምበር ነቲ ዝተለምናዮ ዕላማ ስግኣት ዝነበረ ለበዳ ኮቪድ 19 ተቖጻጺርና እቲ ዝኸበደ ዞባዊ ተጻብኦ`ውን ሰጊርና ኣብ ዝሓሸ ውሑስ ኩነታት ስለዘለና ዘሰክፈና ነገር የለን ኢሉ። ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኣርእስቲ ግን ኣየልዓለን።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ ተጸንቢሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:15:46 0:00

ፈስቲቫል ኤርትራ 2021 ዋሺንግተን ዲሲ፡ ዝተፈላለዩ ኣብ ኤርትራ ዝፈርዩ ነገራት`ውን ኣላልዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ኤርትራ ዝመጹን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝጸንሑን ስነ-ጥበበኛታት ናይ ባህሊ መደብ ከቕርቡ እንከለዉ፡ ንህሉዊ ኩነታት ዝምልከት መጽናዕታዊ ጽሑፋት’ውን ቀሪቡ ነይሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ ተጸንቢሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:53 0:00


XS
SM
MD
LG