ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳ፤ 34 ሚልዮን ዩሮ ዝዋግኡ ሓገዝ ንኮንጎ ንምሃብ ትማባጻዕ


ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብግጭት ንዝተጠቕዐ ምብራቓዊ ኮንጎ 34 ሚሊዮን ዩሮ (36 ሚሊዮን ዶላር) ረድኤት ንምሃብ መፅብዓ ኣትዮም። ንሶም ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ናብታ ሃገር ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ኣብታ ሃገር ሰላም ንምምፃእ ንዝግበሩ ፃዕርታት ከፍሽል ዝደሊ ዝኾነ ይኹን ኣካል እገዳታት ክገጥሞ እዩ ኢሎም።

ማክሮን ኣብ ናይ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዑደቶም ዘስምዕዎ መደረ ፈረንሳ ንሩዋንዳ ትድግፋ እያ ብዝብል ምርዳእ ፀረ ፈረንሳ ስምዒታት ክዓቢ ገይሩ እዩ። ሩዋንዳ ድማ ኣብ ምብራቓዊ ዞባታት እታ ሃገር መጥቓዕትታት ንዝፍፅም M23 ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ ትሕግዝ እያ ተባሂላ ትኽሰስ። ሩዋንዳ ግን ነቲ ክስታት ትነፅጎ።

ፈረንሳ ቅድም ክብል ምስ ሕቡራት ሃገራት፣ ኮንጎን ካልኦት ሃገራትን ሓቢራ ሩዋንዳ ንM23 ትድግፍ እያ ክትብል ከሲሳታ ነይራ። እንተኾነ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዑደቶም ማክሮን ኣብ ኪንሻሳ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ንሩዋንዳ ብፅኑዕ ንክኹንኑ ተሓቲቶም ነይሮም።

እቲ ውግእ ከብቅዕ ዝሓለፈ ሕዳር ብናይቲ ዞባ ሓይልታት ኣብ ኣንጎላ ዝተገብረ ፃዕሪ መስርሕ ሰላም ፈሺሉ እዩ። ማክሮን ግን ኣብቲ ውጥን እምነት ከምዘለዎም ገሊጾም ኣለው።

ፕረ.ማክሮን "ነዚ ውጥን እዚ ዘየኽብሩ ኣብ ባይታ ክርኣይ እዩ ምኽንያቱ ብኣንጎላ ኽትትል ዝግበረሉ ኣገባብ መረጋገፂ ስለዘሎ። ነቲ ውጥን መን የኽብሮ መን'ከ ይጥሕሶ ብነፃ ተዓዘብቲ ዝረጋገፅ እዩ። ዘየኽብሩ አካላት ድማ እገዳታት ሓዊሱ እንታይ ከምዝስዕቦም ይፈልጡ እዮም’’ ኢሎም ።

ፕረዚደንት ማክሮን ናብ ኮንጎ ቕድሚ ምብጽሖም ኣንጻር ፈረንሳ ዝቐንዑ ተቓውሞታት ዘንፀባርቑ ብርክት ዝበሉ ነኣሽቱ ተቓውሞታት ተራእዮም እዮም።

XS
SM
MD
LG