ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳ ኣብ ኢጣልያ ዝጸንሐ ኣምባሳደራ ስሒባ


ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ከተማ ሮማ- ፋይል
ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ከተማ ሮማ- ፋይል

ፈረንሳ ኣብ ሮም ዝጸንሐ ኣምባሳደራ ሎሚ ሓሙስ ከምዝሰሓበት ኣፍሊጣ። ፈረንሳ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት ካብ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ መሰረት ዘይብሉ ተደጋጋሚ ናይ ቃላት መጥቓዕቲ ድሕሪ ምስንዛሮም ምኳኖም ብምሕባር ዝሓሸ ሕውነታዊ መርገጺ ክህልዎም’ውን ጸዊዓ’ላ።

ክልቲኦም ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ ካብ የማናይ ክንፊን ሉዊጂ ዲ ማዮ ካብ ጸጋማይ ክንፊን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ንፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ዘቑጥዕ ጉዳያት ተዛሪቦም’ዮም።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ ፈረንሳ ንዝሓለፈ ቁሩብ ኣዋርሕ ዒላማ መሰረት ዘይብሎም ተደጋጋሚ ጽዩፍ መግለጺታት ኢጣልያ ኮይና ጸኒሓ’ያ “ ይብል።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ዘይምስምማዕ ሓደ ነገር እዩ እንተኾነ ዝምድና ሃገራት ንምርጫ ምጥቃም ግን ካልእ ነገር’ዩ ኢሉ’ሎ።

ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ዲማዮ “ፈረንሳ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝረአ ድኽነት ምክንያት’ያ” ክብሉ ከለው ካብ የማናይ ክንፊ ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ዝኾኑ ሳልቪኒ ድማ “ኣብ ሊብያ ሰላም ክመጽእ ዝኾኑ ስጉምቲ ኣይወሰደትን” ክብሉ ነቂፎም።

ክልቲኦም ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ኢጣልያ ዝሓለፈ ዓመት ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ፍትው ዝኾነ ፕረዚደንት ፈረንሳ መጥቓዕቲ ቃላት ምፍናው ኣብቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ ምርጫ ይሕግዝ’ዪ ክብሉ ይኣምኑ።

“ እዞም ኩላቶም ዝተራእዩ ተግባራት ዕላማ ኢጣልያ እንታይ’ዩ ዝብል ሕቶታት የልዕል” ክብሉ ሓደ ፈረንሳዊ ሚንስትር ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ገሊጾም።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ንምስሓብ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ኢጣልያ ግብረ መልሲ እንተዘይሃበ’ዃ ሰብ ሞያ ዲፕሎማሲ ግን ድሕሪ 1945 ንመጀመርያ ጊዜ ዝተራእየ ፍጻመ ምዃኑ ይገልጹ ኣለው።

XS
SM
MD
LG