ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳ: ኣብ ሊብያ ብዘይቅድመ ኹነት ተኹሲ ደው ክብል ትጽውዕ


ፕረዚደንት ፈረንዳ ኢማኑኤል ማክሮ ምስ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ቀዳማይ ሚንስትር ሊብያ ፈይዛ ኣል ስራጅ ድሕሪ ምርኻቦም ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ወገናት ሊብያ ብዘይቅድመ ኹነት ተኹሲ ደው ክብል ጸዊዖም።

ፕረዚደንት ማክሮ "ነቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ግጭት ወታሃደራዊ ፍታሕ ከምዘይኾነ ተገንዚብና ኣለና: ነቲ ናብ ንከተማ ትሪፖሊ ገጹ ዝወንጨፍ ወታሃደራዊ ስርሒታት ንምዝዛም ብዘይቅድመ ኹነት ተኹሲ ደው ክብል ንጽውዕ" ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ንምክልካል ብዓለምለኸ አካል ዝረአ ተኹሲ ደው ምባል ክሕንጸጽ ይግባእ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG