ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳ ንኣስታት 3,000 ዘይተኸተቡ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና አጊዳ


ፈረንሳ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና ክሳብ 15 መስከረም ኣብዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ክታበት ኮቪድ 19 ክወስዱ መንግስቲ ዘቐመጦ ኣስገዳድ ተቐቢሎም ንዘይተኸተቡ 3,000 ሰራሕተኛታት ኣጊዳ።

ካብ ናይታ ሃገር 2.7 ሚሊዮን ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና ‘’ዓሰርተታት’’ ኣብ ክንዲ ኣስገዳድ ክታበት ኮቪድ ክወስዱ ስርሖም ከምዝገደፉ ሚኒስትር ጥዕና'ታ ሃገር ኦሊቨር ቨራን ትማሊ ሓሙስ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን እንተወሓደ ክሳብ 15 መስከረም ሓደ ክታበት ክወስዱ ዘቐመጥዎ ናይ ጊዜ ገደብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ክእውጁ ከለው ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣይተኸተቡን ነይሮም።

XS
SM
MD
LG