ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳ ብሰንኪ ምውሳኽ መልከፍቲ ኮቪድ19 ኣብ ልዕሊ ብሪጣንያ ናይ ጕዕዞ ማዕቀብ ኣንቢራ


ፈረንሳ ብሰንኪ ምውሳኽ መልከፍቲ ኮቪድ19 ኣብ ልዕሊ ብሪጣንያ ናይ ጕዕዞ ማዕቀብ ኣንቢራ።

ፈረንሳ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደት ብቐንዱ ምስ ምስፍሕፋሕ ፈልቂ ኦሚክሮን ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ ኣሎ።

እቲ ማዕቀብ ጕዕዞ ሰንሰለት ንግዲ ንኸይብተኽ ብማለት ብፍሉይ ንዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ዝምልከት ኣይኮነን፡ ። ካብ ብሪጣንያ ዝመጹ ኣጋይሽ ግን ኣብ ውሸባ ክጸንሑ ዝጠልብ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ መምርሒ፡ ፈረንሳውያን ዘይኰኑ ዜጋታት ኤውርጳ ወይ ድማ ነባርነት እታ ሃገር ዘይብሎም ከም ቀደሞም ንምዝዋር ብናጻ ክመጹ ዝኽልክል`ዩ።

እንተኾነ ግን ካብ ፈረንሳ ንብሪጣንያ ክጓዓዙ ዝደልዩ ዜጋታት ብሪጣንያ፡ ንቐብሪ ዝኸዱ ከምኡ’ውን ብሕክምና ዝጓዓዙ ካልእ ፍሉይ ጉዳይ ዘለዎምን ናጻ ክግደፉ’ዮም።

XS
SM
MD
LG