ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳዊያን ሰነተራት ዋላ'ዃ ንቻይና ዘቖጥዕ እንተኾነ ምስ ታይዋን ጽምዶ ይቅጽሉ


ፕረዚደንት ታይዋን ምስ ኣብታ ሃገር ዝፈጸሙ ፈረንሳዊ ሰነተር
ፕረዚደንት ታይዋን ምስ ኣብታ ሃገር ዝፈጸሙ ፈረንሳዊ ሰነተር

ተንተንቲ: ፈረንሳዊያን ሴነተራት ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ምስ ታይዋን ጽምዶ ምግባሮም፣ ዋላ’ኳ ንቻይና ዘቆጠዐ እንተኾነ፣ ሃገራት ኣውሮጳ ምስ’ታ ናይ ኤስያ ዴሞክራሲያዊት ሃገር ርክቦም ንክቅጽል ድልየት ከምዘለዎም ሓባሪ እዩ ይብሉ።

ብሴነተር ኣልየን ሪቸርድ ዝተመርሐት ጉጅለ ኣብ’ዚ ቀረባ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት መገሻ ኣብ ታይዋን ፈጺሙ'ሎ።

ሚኒስትር ምክልኻል ዝነበሩ ሴነተር ሪቸርድ፣ ኣብ ሞንጎ ታይዋንን ፈረንሳን ዘሎ ርክብ ንኢዶም’ዮም።

ሸሞንተ ዝኣባላታ ጉጅለ ታይዋናዊያን ናብ ኣውሮጳ ተበጊሶም ኣለው።ንግዳዊ ርክባት ምስ ፈረንሳ፣ ጀርመንን ኔዘርላንድን ንምሕያል ዝዓለመ መገሻ ከምዝኸውን’ውን ዝመጸ ዜና ይሕብር።

XS
SM
MD
LG