ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳን ኬንያን ናይ 3 ቢልዮን ዩሮ ስምምዕ ተፈራሪመን


ኬንያ ናጽነታ ካብ ትረኽብ ንመጀመርያ ጊዜ ሎሚ ሓሙስ ናብታ ሃገር ዝበጽሑ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ምስ ናይ ኬንያ መዘነኦም ኡሁሩ ኬንያ ኣብ ዝተፈላልየዩ ናይ ብሕቲን ህዝባዊ ናይ ትሕቲ ቅርጺ ፕሮጀክትታት ስምምዕ ፈሪሞም።

እቲ ኣብ መንጎ ናይ ፈረንሳ ኩባንታታት መንግስቲ ኬንያን ዝተበጽሓ 3 ቢልዮን ዩሮ ዝዋግኡ ስምምዕ ካብ ዋና ከተማ ናይሮቢ ናብ ጄሞ ኬንያታ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርግሓ ዘለዎ መንገዲ ባቡር ምህናጽ ዝሓወሰ ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ፈረንሳን ኬንያን ናይ 3 ቢልዮን ዩሮ ስምምዕ ተፈራሪመን
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:17 0:00

ፕረዚደንት ማክሮ ኣብቲ ናይ ኬንያ ዑደቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሃገሮም ንህዝቢ ኬንያ ዘርብሕንን ፍትሃዊ ዝኾነ ናይ ንግዲ ዝምድና ከምዝደልዩ ብምግላጽ “እቲ ዝበለጸ ናይ ወፍሪ ዓይነት ነቲ ወፍሪ ትቕበል ሃገር ሉዓላዊነትን ዘኽብርን ነባሪን ምስ ዝኸውን’ዩ” ኢሎም።

ፕረዚደንት ኬንያታ ብወገኖም "ምህናጽ’ቲ መንገዲ ባቡር ንብሚልዮን ዝቑጸሩ ሰባት ህይወት ዝቕይር’ዩ” ድሕሪ ምባል ኣብ 2021 ስራሕ ከምዝጅምር’ውን ኣፍሊጦም።

ብተወሳኺ ፈረንሳ ንሓደ ካብ ዓበይቲ ጎደናታት’ታ ሃገር ንምምሕያሽ ናይ 1.6 ቢልዮን ዩሮ ውዕል ምስ ሰበስልጣን ኬንያ ከምዝተዘራረቡ ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮ ኣቐዲሞም ኣብ ጅቡቲን ኢትዮጵያን ምብጽሖም ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፈረንሳን ኬንያን ናይ 3 ቢልዮን ዩሮ ስምምዕ ተፈራሪመን
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:03 0:00

XS
SM
MD
LG