ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈልቂ ኮቪድ ኦሚክሮን ንጽንብል ሓድሽ ዓመት ዕንቅፋት ይፈጥር


ከተማ ኒው ዮርክ
ከተማ ኒው ዮርክ

ኣብ በበይኑ ኵርናዓት ዓለም፡ ህዝቢ፡ ነዛ ትውዳእ ዘላ ብዙሕ ወገናት ዘይቅድውቲ ዓመት መፈጸምታ ክርኢን ንእትመጽእ ዓመት ክቕበልን ብሃቀውታ ክጽበ ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ ፈልቂ ቫይረስኮሮና ኦሚክሮን ዝፈጠሮ ሓድሽ ማዕበል ለብዒ ግን ነቲ ዝተመደበ ጽንብላት ይጻብኦ ኣሎ።

ርኽበት ሓድሽ ፈልቂ ኦሚክሮን፡ ንሓያሎ ናይ ሓድሽ ዓመት መደባቶም ደኣ ይጸይቐሎም እምበር፡ ብዝሒ መጠን በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉን ብሰንኩ ዝሞቱን ብተዛማዲ ከምቲ ፈለማ ዝተፈርሖ ኣይኰነን። ብሕልፊ እኳ ኣብቶም ዝተኸትቡ ወገናት ሳዕቤናት እዚ ፈልቂ ብተዛማዲ ደሓን ስለ ዘሎ፡ ንሓድሽ ዓመት 2022 ብጽቡቕ ምቕባላ ተስፋ ዝህብ መሲሉ’ውን ይርአ።

ኣብታ ድሮ ንዓመተ 2022 ቀዲማ ዝተቐበለት ኒውዝላንድ፡ እቲ ዓርቢ ምሸት ዘምሰየ መንፈስ ዓመተ 2021 ብሰላም ትኺድ ነዛ ትመጽእ ዘላ ዓመት ከኣ ብተስፋ ንቀበላ ዝብል’ዩ። እዚ ስምዒት’ዚ ኣብ በበይኑ ኵርናዓት ዓለም’ውን ዝቃላሕ ዘሎ’ዩ።

ኣብ ጃፓን ጸሓፊ ናኦኪ ማትሱዛዋ (ኛኦኪ ማትሱዛዋ) ንዝመጽእ ቍሩብ መዓልታት መግቢ ኣብ ገዛኡ ኣዳልዩ፡ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ኣረጋውያን ከብጽሕ ምዃኑ ይሕብር። ነቲ ጸሓፊ ከምኡ ንኽገብር ዝደረኾ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ብዙሓት ኣብያተ-መግቢን ድኳናትን ክዕጾ ብምዃኑ እቶም ኣረጋውያን ጠዋሪ ንኸይስእኑ ብዝብል ሓሳብ’ዩ።

ብኣገላልጻ ማትሱዛዋ፡ እቲ ሕማም ንብዙሕ ሰብ ስለ ዘዐንዘዞ ከምቲ ቀደም ዝነበረ ፍርሒ ሕጂ ከም ዘይርአ ይዛረብ። ተስፋኡ ድማ ኣብ 2022 ክታበት ኣብ ኵሉ ክባጻሕ እሞ እቲ ገደብ ክተርፍ’ዩ።

ጃፓን ብተዛማዲ፡ ኣብ ምቍጽጻር እዚ ልብዒ ዝሓሸት ምህላዋ ደኣ ይገለጽ እምበር፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ነቲ ዝድለ ሓጐስ ከም ዝጻብኦ ይዛረቡ። እንተዀነ ንብዙሓት ኣብ ደገ ካብ ምዝዋርን ምጽንባልን ዘተረፎም ኣይመስልን።

ኣውስትራሊያ ነዚ በዓል ክትጽንብል ክትሸባሸብ ደኣ ትጽናሕ እምበር፡ ክፍሊ ጥዕና እታ ሃገር፡ ኣብ ሲድኒ ጥራይ 32-ሽሕ ዜጋታት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ በዚ ቫይረስ ምልካፎም ኣፍሊጡ። እዚ ነታ ኣብ ልሙድ እዋን፡ ሓድሽ ዓመት ንምጽንባል፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝእከበላ ሲድኒ ኣሻቓሊ’ዩ።

ኣብ ጎረቤት ኣውስትራሊያ ዝዀነት ኒውዝላንድ፡ መጠን መልከፍቲ ፈልቂ ኦሚክሮን ደሓን ደኣ ይሃሉ እምበር፡ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ግን ንገለ ካብቲ ተመዲቡ ዝነበረ ህዝባዊ ጽንብላት ንኽስረዝ ኣዚዞም።

ኣብ ርእሰ-ከተማ ደቡብ ኮርያ ዝዀነት ሶል፡ ጽንብል ሓድሽ ዓመት ሎሚ ንኻልኣይ እዋኑ ተዘሪዙ ኣሎ። ኣብ ክንዳኡ ሰብ-መዚ እታ ሃገር ብቪድዮ ዝተቐርጸ መልኽእቲ’ዮም ብመገዲ ቴለቪዥን ኣመሓላሊፎም።

ኣብታ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ሰዓታት እቶ-እቶ ተኣዊጁዋ ዘሎ ህንዲ፡ ዜጋታት ኣብ ገዛኦም ብምዃን’ዮም ክጽንብሉ ተገዲዶም። ኣብ ሓያሎ ከተማታት ህንዲ፡ ሰዓታት እቶ-እቶ ምእዋጅ ጥራይ ዘይኰነስ ባራት፡ ኣብይተ፡መግቢ፡ ሆቴላትን ካልእ ህዝባዊ መዛናግዒ ቦታታትን’ውን ክዕጸዉ’ዮም።

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኢንዶነዥያ ዜጋታት ንደገ ከይወጽኡ ስለ ዝኸልከለ፡ ዜጋታት ኣብ ገዛኦም ብምዃን’ዮም ነቲ ጽንብል ምውላዕ ርችታትን ካልእን ተኸታቲሎሞ።

ኣብ ፖለቲካዊ ሓጎጽጎጽ እትርከብ ሆንግ፡ኮንግ፡ ኣስታት 3-ሽሕ ሰባት ኣብ ምርኢት ሓድሽ ዓመት ክሳተፉ ምዃኖም ኣቐዲሞም ኣፍሊጦም። ኣብታ ግዝኣት ጽንብል ሓድሽ ዓመት ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 2018 ኢዩ ተኻዪዱ፡፡

ኣብ ማእከል ቻይና፡ ብሕልፊ ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ሻንሃይን በይጂንግን መደብ ጽንብል ሓድሽ ዓመት ተሰሪዙ’ዩ።

XS
SM
MD
LG