ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈላማይ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ አባላት ዘለውዎ ጉጅለ ናብ ህዋ ብምኻድ ታሪኽ ሰሪሑ


ፈላማይ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ አባላት ዘለውዎ ጉጅለ መንኮርኮር ንምዕራይ ሎሚ ዓርቢ ናብ ጠፈር ብምኻድ ታሪኽ ሰሪሑ።

ተመራመርቲ ጠፈር ትካል ናሳ ዝኾና ክሪስቲና ኮችን ጀሲካ መር ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ንመጀመርያ ጊዜ ወዲ ተባዕታይ ዘይብሉ ጉጅለ ብምምራሕ ኣብ ጠፈር በጺሓን።

ጀሲካ መር ንመጀምርያ ጊዜ ናብ ጠፈር ዝበጽሓትሉ ስራሕ ክከውን ከሎ ኣብ ጠፈር ዝተጓዕዘት መበል 228 ሰብ :መበል 15 ጓል ኣንስተይቲ ክትኸውን ክኢላ'ላ።


ኮች ድማ እዚ መበል ራብዓይ ጊዜ ናብ ጠፈር ዝኸደትሉ አጋጣሚ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG