ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈላማይ ዓመታዊ ውድድርን ጉዕዞ ብሽክለታን ኤርትራዊያን ነበርቲ ኣሜሪካን ካናዳን


ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ዝነብሩ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክልታ ዳግም ተጠርኒፎም ምንቅስቓስ ጀሚሮም። ዝሓለፈ ዓርብን ቀዳምን ኣብ ቨርጂንያ ፈላማይ ዓመታዊ ውድድርን ጉዕዞ ብሽክለታን ዝገበሩ`ዞም ብሽክለተኛታት፡ ብደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ዝተጠርነፉ ኾይኖም፡ ናይ 30ን 40ን ማይላት ርሕቐት ብምኻድ ውድድራቶም ዛዚሞም ኣለዉ። ነቲ ሓዲሽ ምትእኽኻብ ነባራት ተወዳደርቲ ብሽክለታ ካብ ዘወሃሃዱ ኦሎምፒያን ዳኒኤል ፍስሃየ፡ ሲራክ ተኽለ፡ ስብሃት ተድላ፡ ስምኦን እዮብ፡ ነቢ ኣርኣያ ተጠቀስቲ`ዮም። ካብ ደቀንስትዮ ድማ ፡ሰናይት ኣርኣያ፡ ትርሓስ ሓዲሽ፡ ዮሃና ዳዊትን ዕዙዝ ተሳትፎ ዝገበራ`የን።

ምስ ሰለስት ካብ`ቶም ኤርትራውያን ብሽክለተኛታት ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፈላማይ ዓመታዊ ውድድርን ጉዕዞ ብሽክለታን ኤርትራዊያን ነበርቲ ኣሜሪካን ካናዳን
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:44 0:00

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG