ንፈለማ እዋን ብርሕቐት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ጥዕና ዓለም ዝሳተፉ ዘለዉ መራሕቲ ዓለም፥ ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምስዓር ሓድነት ክህሉ ጸዊዖም።
ፕረዚደንት ትራምፕ ድማ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝገበሮ ምቁራጽ ባጀት ካብ ግዚያውነት ናብ ቀዋምነት ክሰጋገር ከም ዝኽእል የጠንቅቕ ኣሎ።
ነቲ ብርሕቐትዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ጥዕና ዓለም ዝኸፈቶ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፥ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኩሉ ጠጠው ክነብሎ እንተዘይክኢልና ንመጻኢ ኣብ ፍርሕን ምሽቁራርን ክነብር ኢና ክብል ኣጠንቂቑ።
ንውድብ ጥዕና ዓለም ዓለማዊ ድጋፍ ዝጸውዐ ጉተረዝ ኣብ ቃልሲ ጸረ ለበዳ ዘለዎ መሪሕነት መተካእታ ዘይብሉ`ዩ ብምባል፥ ነተን ገና ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ንምሕጋዝ ተወሳኺ ገንዘብ የድልዮ`ሎ ኢሉ።
“ ስርዓተ ጥዕናና ማዕረ`ቲ ምሕያሉ ድኹም`ውን`ዩ። ነቲ ዘይማዕበለ ዓለም ምሕላው ማለት፥ ልግሲ ወይ ረድኤት ናይ ምሃብ ጉዳይ ኣይኮነን፣ ረብሓኻ ምሕላው`ዩ፡ ንኮቪድ-19 ፥ እቲ ሰሜናዊ ዓለም ክስዕሮ እንተደኣ ኾይኑ ፥ ደቡባዊ ዓለም`ውን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ክስዕሮ ኣለዎ። "
ውድብ ጥዕና ዓለም ንኣተሓሕዛ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ብዝምልከት ብምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ከቢድ ተግሳጽ`ዩ ተሸሚሙ ዘሎ። ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ቻይና ዝወገነ’ዩ ብምባል ትህቦ ገንዘብ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚራ ኣቋሪጻቶ`ያ። ሕጂ ምናልባት እቲ ግዚያዊ ምቁራጽ ገንዘብ፥ ቀዋሚ`ውን ክኸውን ኸምዝኽእል ትራምፕ የጠንቅቕ ኣሎ።
ኣብቲ ናይ ርሕቐት ዋዕላ ዝሳተፍ ዘሎ ፕረዚደንት ቻይና ዚ ዚንፒንግ ብወገኑ፥ ነቲ ቻይና ሓቢኣቶ`ያ ዝብል ክሲ ኣመሪካ ብምንጻግ ህዝብና ብዝገበሮ ጻዕርን ዝኸፈሎ መስዋእትን`ዩ ነቲ ማዕበል ቀይርዎ ብምባል ሃገሩ ቻይና ብግልጽነት ከምዝሰርሐት ተዛሪቡ።
" ብኽፉት ግልጽነትን ሓላፍነትን ኢና ክንሰርሕ ጸኒሕና። ኣብ እዋኑ ንውድብ ጥዕና ዓለምን ንዝምልከተን ሃገራትን ሓበሬታ ሂብና ኢና። ባህርያት`ቲ ቫይረስ`ውን ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ሓቢርና። ናይ ምቁጽጻርን ክንክንን ተመክሮና ብዘይ ምዕቃብ ንዓለም ኣካፊልና። "
ኣተሓሒዙ፥ ንውድብ ጥዕና ዓለምን ንዳይሬክተሩ ቴድሮስ ኣድሓኖምን ዘለና ድጋፍ ንምግላጽ ኣብ ዝቕጽል ክልተዓመት ኣንጻር ኮቪድ 19 ንዝካየድ ቃልሲ ንምድጋፍ 2 ቢልየን ዶላር ክነበርክት ኢና ኢሉ።
ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት ኤማኑኤል ማክሮን ድማ ኣብ ምውጋእ ኮቪድ 19 ውድብ ጥዕና ዓለም ዘለዎ ናይ ምውህሃድ ተራን ተመክሮን ከምዝድግፍ ብምግላጽ ፈረንሳ ንውድብ ጥዕና ዓለም ተዋጽኦ ገንዘብ ከምትውስኽ ኣፍሊጡ። ንክታበት ኮቪድ 19 ኣብ ምፍታሽን ምጽናዕን ድማ ሃገሩ ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ከም ትተሓባበር ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኑ፥ ነቲ ላዕላዋይ ጉባኤ ኣብ ምዕጻዉ ክዛረብ ከሎ ካብ`ዚ ለበዳ እንምሃሮ ትምህርቲ ኣሎ ኢሉ።
“ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ናጻ ገምጋም ዘካይድ ኣካል ክነበግስ ኢና። ዝተዓወትናሉን ዝተመሃርናሉን ተመክሮታት ዝግምግም። እዚ ድማ ሃገራውን ኣህጉራውን ምክልኻል ለበዳ ንምምሕያሽ ንሓዋሩ ንኽንዳሎን ንግብረ-መልስን ዝኸውን እማመታት ንምቕራብ ክሕግዘና`ዩ። "
እዚ ኾይኑ ግን ፕረዚድነት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ርኡይ ለውጢ ክገብር ቃል እንተዘይኣትዩ እቲ ንግዚኡ ዝነበረ ምቁራጽ ገንዘብ ንሓዋሩ ክገብሮ`የ ክብል ኣጠንቂቑ`ሎ።
ትራምፕ ናብ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፥ ንመረረቱ ዝድግፍ ዝርዝር ነቔፈታታት ዘርዚሩ`ሎ- ካብ መንጉኡ ፥ ኣብ እዋን`ቲ ለበዳ ናብ ቻይና ቀኒንኩም ኔርኩም ብምባል " ኣብ ኣተሓሕዛ`ቲ ለበዳ ብኣኻን ብውድብካን ዝገብርክምዎ ጌጋታት ንዓለምና ከቢድ ዋጋ ኣኽፊልዋ`ዩ " ኢሉ።
ትራምፕ ውድብ ጥዕና ዓለም ንቕድሚት ንክስጉም እንኮ መንገዲ፥ ንቻይና ዘይወገነ ምዃኑ እንተኣመስኪሩ ጥራይ`ዩ ኢሉ ። ካብ መንጎ ውድብ ጥዕና ዓለም ጌርዎ ዝብሎ ጌጋ ድማ ፥ ብዛዕባ`ቲ ቫይረስ ዝሃቦ ሓበረታ ዓቢይ ጌጋን መደናገርን`ዩ ኔሩ ዝብል`ዩ።
ዶ/ር ቴድሮስ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ ምቁራጽ ገንዘብ ምስ ተሰምዐ እቲ ወሳነ የሕዝነና ንሕና ግና በብግዚኡ ሓበረታ ክንዝርግሕ ጸኒሕና ኢና ክብል መሊሱ ኔሩ`ዩ።
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ሎሚ ነቲ ናይ ትራምፕ ደብዳበ ክምልስ ከሎ ድማ ፥ ንቻይና ንምትኹታኹን ኣሜሪካ ካብ ኣህጉራዊ ግዴታታ ንምህዳምን`ዩ ክብል መሊሱ።
ትራምፕ ፥ ቻይና ዝተኸተለቶ ግብረ መልሲ ክግምገም ክጽውዕ ጸኒሑ`ሎ- ሕጂ ድማ ኣብ`ዚ ዋዕላ ጥዕና ዓለም፥ ሓደ ናጻን ኣጠቓላልን ገምጋም ክካየድ ዝጽውዕ ውሳነ-ሓሳብ ብሕብረት ኤውሮጳ ተነዲፉ`ሎ። ዶ/ር ቴድሮስ`ውን ነቲ ውሳነ ውዱብ ጥዕና ዓለም ንግልጽነት ተሓታታይነትን ቀጻሊ ምምሕያሽን ቅሩብ`ዩ ብምባል ተቐቢልዎ`ሎ- ።
ፕረዚደንት ቻይና`ውን እንተኾነ፥ ነቲ ኣጠቓላሊ ገምጋም ይገበር ዝብል ሓሳብ ደጊፍዎ`ሎ ግን እቲ ለበዳ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ምስ ኣተወ ይኹን ይብል ።