ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈላመይቲ እኽሊ ጽዒና ካብ ወደባት ዩክሬን ዝተበገሰት መርከብ ቱርኪ ምእታዋ ተሓቢሩ


ኣብ መንጎ ሞስኮን ኪየቭን ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሑ ካብ ዩክሬን ዝተበገሰት ፈላመይቲ እኽሊ ዝጸዓነት መርከብ ናብ ቱርኪ ከም ዝበጽሐት ተፈሊጡ። ናብ ሊባኖስ ክበጽሕ ዝነበሮ ጽዕነት ግን ተደናጉዩ'ሎ።

ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ እኽሊ ናብ ወጻኢ ሃገራት ትሰድድ ዝነበረት ዩክሬን ድሕሪ'ቲ ናይ ሩስያ ወራር ዳርጋ ኹሉ ሰደዳ ደው ከተብሎ ተገዲዳ'ያ። እንተኾነ ኣብ ቀረባ ብሕቡራት ሃገራትን ቱርኪን ብዝተገብረ ሽምግልና ኣብ ቀረባ ሰደዳት ጸሊም ባሕሪ እንደገና ጀሚሩ'ሎ።

እታ ናይ ቱርኪ ናይ ጽዕነት መርከብ በቲ ዝተመደበላ ግዜ ናብ ቱርኪ ድሕሪ ምእታዋ ብመሰረት'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተበጽሐ ዓለምለኸ ስምምዕ ብማእኸል ሓባራዊ ምትሕብባር ጀሲሲ ክትፍተሽ'ያ። እታ መርከብ 12-ሽሕ ሜትሪክ ቶን ዕፉን ሒዛ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ወደብ ኮሞሞስኪ ዩክሬን ተበጊሳ። ካልኦት ክልተ ዕፉንን ኣዳጉራን ዝጸዓና መራኽብ ብሰኑይ ካብ ናይ ዩክሬን ወደባት ጸሊም ባሕሪ ተበጊሰን'ለዋ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎደመር ዘለንስኪ ብዛዕባ እዚ "ትግባረ ተበግሶ ሰደድ እኽሊ ቀጺሉ'ሎ። ካብ ዝሓለፈ 24 የካቲት ንነጀዉ ንፈለማ ግዜ ሎሚ ካብ ወደብ ፒቭደኒ ናይ ጽዕነት መርከብ ተበጊሳ'ላ። ኣብዚ እዋን ንኸምዚ ዝበለ ሰደዳት ናይ ምርግጋጽ ዕድል'ሎ። እንተኾነ ግን ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ካብ ሩስያ ዝግበር ዝኾነ ምትዕንቃፋትን ምግዳድ ዓለማዊ ቅልውላው መግብን ናይ ምምካት ተኽእሎ መሻርኽቲ ቀንዲ ነገር እዩ" ኢሎም።

እቲ ብቱርክን ሕቡራት ሃገራትን ዝተሸምገለ ውዕል ነቲ ኣብ ወደባት ዩክሬን ዝነበረ ዕጽዋ ሩስያ ዘልዓለን ሚልዮናት ቶናት ስርናይን ካልእ ዓይነት እኽልን ካብ መኽዘናት ወደባትን ዩክሬን ክወጽእ ንምጅማር ዘኽእል'ዩ።

XS
SM
MD
LG