ዋሽንግተን —
ዳኛ ካቲና ብራውን ጃክሰን ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊት ጓለንስተይቲ መበል 116 ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ብምዃን ትማሊ ሓሙስ ቃለ ማሕላ ፈጺመን።
51 ዓመት ዝዕድሚኤን ካቲና ጃክሰን ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንምዃን ዝሕተት ክልተ ቃለ ማሕላ'የን ፈጺመን። ነቲ ቃለ ማሕላ ካብ ዘካየዱ ንሰን ዝትክእኦም ዘለዋ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝነበሩ ስተፈን ብራየርን ዋና ዳኛ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጆን ሮበርስ እዮም።
ዋና ዳኛ ሮበርስ ንካቲና ጃክሰን ናብቲ ቤት ፍርዲ እንዃዕ ብደሓን መጻእኪ ብምባል ብሓጎስ ተቀቢሎምወን'ለዉ።
"ብስም ኩሎም ኣባላት እዚ ቤት ፍርዲ ንዳኛ ካቲና ጃክሰን ናብዚ ቤት ፍርዲን ናይ ኩልና ሓባራዊ ጻዊዕትና ዝኾነ ዕዮን እንዃዕ ብደሓን መጻእኪ ክብላ ከለኹ ሓጉስ እስምዓኒ።"
ካቲና ጃክሰን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንክኾና ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ተረቑሐን። ሴነት ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ
53 ብ 47 ድምጺ ሹመተን ኣጽዲቑለን። ኣብቲ ምጽዳቅ ሰለስተ ሪፑብሊካን ሴናተራት ምስ ዲሞክራት ብምጽንባር ንሽመተን ድምጺ ደገፍ ሂቦም።