ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈለግ ኒል ኣብ ሓደጋን ንሓደጋን


ፈለግ ኒል
ፈለግ ኒል

ኣብቲ ብንውሓቱ ካብ ዓለም ካልኣይ ዝዀነ ፈለግ ኒል፡ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ህዝቢ ህይወቶም ኣብኡ ይምርኰስ። ለውጢ ክሊማ፡ ሰብ-ሰርሖ ምትእትታውን ካልእ ምኽንያታትን ግን ሕጂ ነዚ ፈለግ ኣብ ሓደጋ የእትዉ ኣለዉ።

ፈርዖናውያን ንፈለግ ኒል፡ ፈትሊ ህይወቶም ስለ ዝነበረ፡ የምልኹዎ’ዮም ነይሮም። ሕጂ ግን ኣብቲ 6500 ኪሎ-ሜተር ወይ ድማ 4000 ማይላት ዝዝርጋሕ ፈለግ ደውል ተጠንቀቕ ይሃርም ኣሎ።

ጋዜጠኛታት ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብ ኡጋንዳ ክሳብ ግብጺ ኣብ ዝገበሩዎ ዳህሳስ እቲ ማይ ይንኪ፡ ንዕኡ ዝምግቡ ወሓይዝ ድማ እናጎደሉ ይኸዱ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብ ግብጺ ኣብ ገማግም ፈለግ ኒል ሕርሻ ዘካይዱ ዜጋታት ብብእዋኑ ዝጎድል ዘሎ ፍርያምነት እቲ መሬት ይጎድል ከም ዘሎ ይሕብሩ። ኣብ ሱዳን ን17 ወለዶ ኣብቲ ፈለግ ዝተመርኰሰ ህይወት ከም ዝመርሑ ዝሓበረ መሓመድ ጁማ፡ ነቲ ኣብ ህይወቱ ዝተዓዘቦ ለውጢ ክቕበል ድሉው ዘይምዃኑ ይሕብር። ኣብ ኡጋንዳ እትርከብ ክርሲቲን ካለማ ድማ፡ ካብቲ ፈለግ ዝፍልፍል መጠን ጸዓት መብራህቲ እናነከየ ምምጽኡ ትገልጽ።

ዋሕዚ ፈለግ ኒል በበእዋኑ ክጎድል ምጽናሑ ኣየከራኽርን። ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን ጥራይ መጠን ሓይሊ ናይቲ ዝፈስስ ማይ ብሰለስተ ሽሕ ኲቢክ ሜተር ጎዲሉ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በብእዋኑ ኣብ ደንደስ እቲ ፈለግ ዝርከብ ፍርያም ሓመድ ተባሕጒጉ ክውስደን ንእቶት ከጕድልን ይርአ ኣሎ። ቀንዲ ምንጪ ፈለግ ኒል ዝዀነ ቀላይ ቪክቶሪያ’ውን፡ ብደርቂን ምህፋፍን፡ መጠን ናብቲ ፈለግ ዝምግቦ ማይ እናጎድለ ክመጽእ ጸኒሑን ኣሎን።

ካብ ተፋሰስ ፈለግ ኒል እተቶም ዝምርኰሱ ዜጋታትን ነቲ ከባቢ ብቐረባ ዝዕዘቡን ከም ዝብሉዎ፡ እቲ ቀንዲ ጸገም እቲ ፍርያም መሬት ተባሕጒጉ ይውሰድ ምህላዉ’ዩ። ንምኽልካሉ ዝተገብረ ተደጋጋሚ ፈተነ ድማ በብእዋኑ ድበት መሊኡ ነቲ ዝተሓስቦ ዕላማ ከቓንዕ ከም ዘጸግም ይምስክሩ። ብሰንኩ ድማ እቲ ፍርያም ጸሊም ሓመድ ቀጻሊ ይውሰድ ኣሎ።

ጕጅለ መጽናዕቲ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቱዎ፡ እቲ ካልእ ሽግር፡ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝውሕዝ ማይ’ዩ። እዚ ጨዋም ማይ ናብቲ ፈለግ ምስ ተጸንበረ፡ ንህይወት እቲ ከባቢ ኣመዛቢሉ፡ ኣትክልቲን ኣሕምልቲን ክቐትል ምጅማሩ እቶም ሓረስቶት ይገልጹ። ብሰንኩ ድማ ኣብ ደንደስ እቲ ፈለግ ዘልምዑዎ ዝነበሩ ኣሕምልቲ ብጨው ተበሊዑ ንፍርያት መሸጣ ክኸውን ከም ዘጸግም ይሕብሩ።

ነቲ ዝካየድ ዘሎ ብከላ ንምጕዳል፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝተደገፈ፡ ብሶላር ዝሰርሕ ምጽራይ ማይ ይካየድ ኣሎ። እዚ ግን ነባሪ ፍታሕ ኣይኰነን። ንሕርሻ ዝኸውን ቦታታት በብእዋኑ እናተበልዐን ካብ ጥቕሚ ወጻኢን እናዀነ ክመጽእ ጸኒሑ። እዚ ነታ 104 ሚልዮን ዜጋታት ዘለዋን ምንጪ ማያን ካብቲ ፈለግ ዝዀነት ግብጺ ሕማቕ ዜና’ዩ። ንጐረቤት ሱዳንን 45 ሚልዮን ህዝባን’ውን እቲ ዜና ማዕረኡ ኣሻቓሊ’ዩ።

ብድምሩ ካብ ተፋሰስ ፈለግ ኒል 10 ሃገራት ተጠቀምቲ ኢየን። ከከም ደረጃኡ ድማ ኵላተን ክጽለዋ ንቡር’ዩ።

ኢትዮጵያ፡ ንፍርቂ ካብ 110 ሚልዮን ህዝባ ካብዚ ፈለግ ብዝምንጩ ሓይሊ መብራህቲ ክትህብ ተስፋ ትገብር። እዚ ናይ ሞትን ህይወትን ምርጫ’ዩ። “ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋ” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝገለጾ፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ግን ምምላእ ሓጽቢ ሕዳሰ ንሃገሩ ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህሉዎ ምዃኑ ይነግር። ትም ኢሉ ከም ዘየርኢ’ውን የጠንቅቕ።

ካልእ ንየማነ-ጸጋም እዚ ፈለግ ተዋሲኖም ንዝነብሩ ዜጋታት ሃገራት ቀጻሊ ሻቕሎት ዘሎ ተደጋጋሚ ምምላእ ውሕጅን ዘይንቡር ዝናብን’ዩ። ብሰንኪ’ዚ፡ ብሕልፊ እኳ ኣብ ሱዳን ህይወት ኣማኢት ሰባት ወሲዱ ንቐጻሊ ምጕስቓል ኣቓሊዑ ይርከብ።

XS
SM
MD
LG