ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

156 ዜጋታት ዝወሰደ ጽቕጥቅጥ ደቡብ ኮርያ ሕቶታት የስዕብ


ኣብ ደቡብ ኮርያ ንበዓል ሃሎዊን (ትንሳኤ ምዉታን) ንምስታፍ ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣጋጣሚ ህይወት 156 ዜጋታት ዝወሰደ ሓደጋ፡ ኣብ ሰብ-መዚ እታ ሃገር ብዙሕ ሕቶታት የላዕል ኣሎ። ነቐፍቲ: መንግስቲ ደቡብ-ኮርያ ዝግበኦ ቅድመ-መጠንቀቕታ ኣይወሰደን ይብሉ።

እቲ ቀዳም ዘጓነፈ ሓደጋ፡ ኢታዎን ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣስታት 100-ሽሕ ሰባት ነቲ በዓል ንምዕዛብ ከም ዝተረኽቡ ተፈሊጡ ኣሎ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ መጻብቦ ብዝተፈጥረ ጽቕጥቅጥ 156 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ብዙሓት ድማ ቆሲሎም።

ድሒሩ ይግለጽ ከም ዘሎ፡ ፖሊስ እታ ከተማ ነቲ ዝእከብ ህዝቢ መጠን ዝዳረግ ምድላዋት ኣይገበረን። ከምዚ ዝመስል ህዝባዊ ምትእኽካባት ሰራዒን ኣወሃሃዲን ስለ ዘይብሉ ድማ ነቲ ሓደጋ መሊሱ ኣግዲዱዎ።

ፈለስቲ ኣብቲ ንዝኽሪ እቶም ግዳያት ዝቖመ ቴንዳ ኰይኖም ጸሎቶም ኣብ ዘስምዑሉ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሳክ የዎል ይቕረታ ክሓትት፡ ደኒኑ ክወጽእ ይርአ።

መንግስቱ በቲ ዝተፈጥረ ሓደጋን ኣብ ምውጋዱ ብዘርኣዮ ልኡም ምላሽን ካብ ዜጋታት እታ ሃገር ብዙሕ ሕቶታት ይቕርበሎም ኣሎ። ዛጊት ብመንግስቲ ዝወሃበ ዘሎ መልሲ ይቕረታ ምሕታት ጥራይ’ዩ።

ሎሚ ሰሉስ ሓለቓ ፖሊስ እታ ሃገር ዩን ሂኩዋን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ፈለማ ናይቲ ክስተት ናይ ርድኡና ጻውዒት ተቐቢሎም ምንባሩ ኣመልኪቱ። ኣብ እዋኑን ከም ዝግበኦን ግብረ-መልሲ ከም ዘይሃቡ ግን እቲ ሓለቓ ፖሊስ ይሕብር።

ዩን በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣዝዩ ሕማቕ ከም ዝተሰምዖ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ መጻኢ ካብ ተመሳሳሊ ክስተት ከይድገም ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ብዙሓት ዝሓቱዎ ዘለዉ ግን ፖሊስ ስለምንታይ እኹል ምድልዋት ዘይገበረን ዝግበኦ ግብረ-መልሲ ዘይሃበን’ዩ።

ማንግ ጉወን-ዮንግ ኣብታ ምሸት ኣብቲ ከባቢ ሓደጋ ዘጓነፈሉ ከም ሓለዋ ባር ኰይኑ ስራሕ ኣምስዩ ነይሩ። ገና ብሻዓኡ ተኽእሎታት ሓደጋ ከም ዝተዓዘበን ባህ ዘየብል ነገር ከም ዝርኣየን ድማ ይዛረብ።

ማንግ ከም ዝጠቕሶ፡ ክልተ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ኣጋጣሚ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመን፡ ፖሊስ ተጸዊዖም ኣይመጽኡን ይብል።

ድሕሪኡ በቲ ዝርኣዮ ዝሕቱል ግብረ-መልሲ ስለ ዝተሰከፈ፡ ንኣዕሩኽቱ ደዊሉ ከይወጽኡ ከም ዝሓበሮም ይጠቅስ። ፖሊስ ነቲ ጽቕጥቅጥ ከወግዱን ክከላኸሉን ከም ዘይረኣየ ድማ ይውስኽ።

ኣብቲ ጸቢብ መተሓላለፊ መገዲ ዘጋጠመ ጽቕጥቅጥ ብኸመይ ኣጓኒፉ ዛጊት ፖሊስ ምላሽ የብሉን። እንተዀነ ኣማኢት ሰባት ተጸቒጦም፣ ከም ኣምሳያኡ ድማ ብዙሓት ሞይቶም።

ፕሮፈሰር ኪም ያንጉክ፡ ብግብረ-መልሲ መንግስቲን ፖሊስን ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ ይዛረብ። ፕሮፈሰር ኪም ከም ዝብሎ፡ እቲ ጸገም ምጽባብ ናይ ጽርግያ ዘይኰነስ ናይ ፖሊስ ዘይቅሩብነት’ዩ ይብል።ፕሮፈሰር ኪም፡ ኣብ ከምዚ ዝመስል እኩብ ኣጋጣሚ፡ ፖሊስ መሐበሪ ገይሩን መስመር ፈጢሩን ንእኩብ ህዝቢ ከማእዝኖ ምኸኣለ ይብል።

እቲ ሕማቕ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ተቐባልነቱ እናቆልቈለ ዝመጽእ ዘሎ ፕረዚደንት ዩን፡ ተወሳኺ ጸቕጢ’ዩ።

ሕጂ ግን ዜጋታት ኣብ ሓዘን እምበር ንፖለቲካ ግዜ የብሎምን።

ከም በዓል መንግ ዝኣመሰሉ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ብቐርባ ዝተኸታተሉ ነበርቲ፡ እቲ ሓደጋ ክውገድ ምኸኣለ ዝብል እምንቶ ኣለዎም።

XS
SM
MD
LG