ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸጋማውያን ሰልፍታት ፈረንሳ ይሓብሩ


ኣብ ተቓውሞ ደገፍቲ ጸጋማዊ ሰልፊ ፈረንሳ ዝተወስደ - ፋይል

ማሕበራዊ ሰልፊ ፍረንሳ ምስ ርሑቕ ጸጋማዊ ሰልፊ ሕብረት ኤል.ኤፍ.ኣይ (LFI) ብምልፋን ኣብቲ ኣብ ሰነ ዝካየድ ምርጫ ፓርላማ ድምጺ ሰልፊ ፕረዚደንት ማክሮን ንምጕዳል ይጽዕሩ ኣለዉ። እቶም ሎሚ ረቡዕ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ዝተሓበሩ ክልተ ሰልፍታት ንነዊሕ ዓመታት ቀንዲ መቀናቕንቲ ኮይኖም ዝጸንሑ’ዮም።

ሕብረት ናይዞም ናብ ጸጋም ዝዛዝዉ ሰልፍታት ነቲ ንንግዳዊ ኣጀንዳ ከቐድም ዝፍትን ዘሎ ፕረዚደንት ኢማኑል ማክሮን ንምዕጋት’ዩ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እዞም ዝሓብሩ ዘለዉ ሰልፍታት ውሑድ ደገፍ ደኣ ይሃሉዎም እምበር፡ መጠን ክፍሊት ንምልዓልን ዕድመ ጥሮታ ናብ ሱሳ ንምውራድን ከም ዝሰርሑ ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG