ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸገም ሓይሊ ጸዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ንቁጠባ'ታ ሃገር ይጸሉ


ጸገም ሓይሊ ጸዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ንቁጠባ'ታ ሃገር ይጸሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:20 0:00

ጸገም ሓይሊ ጸዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ንቁጠባ'ታ ሃገር ይጸልዉ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ሕጽረት ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ንናእሽቱ ኣብያተ ንግዲ ኣብ ክቡር ዝኾነ ጀነረተራት ክምርኮሳ ኣገዲዱ`ሎ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ቀጻልነተንን ኣብ ቁጠባ ዕብየት ሃገርን`ውን ስግኣት ፈጢሩ`ሎ። ካብ መንጎ`ቶም ኣብያተ ንግዲ ሓደ፡ ኣብ ግዜ ኮቪድ መንግስቲ ብዝገበረሉ ሓገዝ ማዕጽኡ ብምኽፋቱ ብፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ ዝተሞገሰ ሶዌቶ ክሬመሪ ሓደ`ዩ። ሕጂ ግን ንዳሕረዋይ ለበዳ ምቁራጽ ጸዓት ክጻወር ዝኽእል ኣይመስልን።

ሰራሕተኛታት ሰዌቶ ክሬመሪ ቅድሚ ኤለክትሪክ ምጥፍኣ ነተን ዝተኣዘዝወን ዋፍልን ጀላተን ከዳልዉ ይጓየዩ።

እዚ ተርእዮ`ዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓዲሽ ንቡር ኮይኑ`ሎ። ዝሓለፈ ዓመት ኤስኮም ዝተባህለ መንግስታዊ ትካል ኤለክትሪክ ንልዕሊ 200 መዓልታት ጠፊኡ ኔሩ። እቲ ሓይሊ ክጠፍእ ከሎ ሓጺር መጠንቀቕታ ሂቡ 12 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ ስለዝጠፍእ ድማ ነቶም ኣብ ዝሑል በረድ ዝቕመጡ ነገራት ኣብ ክሳራ የውድቕ።

ታንዶ ማኩቡ- ወናኒ ሰዌቶ ክረመሪ፡ ብዛዕባ ጀላትኡ(ኣይስክሪሙ) ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፡“ኣይስክሪም(ጀላተ) ፍሉይ ኣሰራርሓ ከምዘለዎ ፍሉጥ`ዩ። ይመክኽ ፡ ድሓር ድማ ናብ ዛሕሊ በረድ ይቕየር። ግን ናብቲ ዝነበሮ ኣይምለስን`ዩ። ስለዚ ኣየዋጸኣናን`ዩ። ከምዚ ዓይነት ጸቕጢ ዝቕጽል እንተኾይኑ ግን ንግድና ካብ ምዕጻው ካልእ ምርጫ የብልናን።”

መንግስቲ ንወርሒ 23 ዶላር ብዝህቦ ልግሲ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ19 ጌሩ ማዕጽኡ ንተጠቀምቲ ክፉት ብምግባሩ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ ቅድሚ ሓደ ዓመት ነቲ ትካል ንግዲ ሞጊስዎ ኔሩ።

ትኩረት`ቲ ፕረዚደንት ነቲ ንኣብያተ ንግዲ ክዕንብብ ሓጊዙ`ዩ: እንተኾነ ሕጂ ክብሪ ዋጋ ብጀነረተር ምስራሕ ልዕሊ ዓቐን ኮይኑዎ`ሎ። መንግስቲ ነቲ ጸገም ጸዓት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክፈትሖ`የ ይብል። ክኢላታት ግን ይጠራጠሩ። ሓደ ካብኦም ኣማኻሪ ኤስኮም ዝነበረ ሕጂ ኣማኻሪ ሆም ኤነርጂ እዩ።

“ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ እቲ ዘሕዝን ክውንነት፡ ከም ናተይ ግምት፡ ጽዕነት ሓይሊ ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ክውስኽ `ምበር ኣይክንክን`ዩ። እኳ ደኣ ኣብዚ ውሽጢ ዓመት እቲ ብሰንኪ ክብደት ጽዕነት ዘጋጥም ምቁራጽ ኤለክትሪክ ብዕጽፊ ክውስኽ`ዩ። ነገራት ቀዲሞም ክንርእዮም ምኽኣልና፡ ሓገግቲ ኣካላት ነተን ትካላት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከስርሐን ዝኽእለን ስጉምትታት ይወስዱ ኣለዉ`ዶ ኢልካ ክሕተት ዘለዎ`ዩ።"

ክኢላታት ቁጠባ፡ ቅልውላው ጸዓት ንደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ድቀት ቁጠባ ከውድቓ ይኽእል`ዩ ክብሉ የጠንቅቑ። ሸቕሊ ኣልቦነት ንባዕሉ ድሮ ሪኮርድ ሒዙ`ሎ።

ወዲ 31 ሲምፊወ ንኮሲ ኣብ ህንጻ ይሰርሕ ኔሩ: ሕጂ ግን ካብ ስራሕ ክወጽእ ተገይሩ።

ንሱ ዝቕመጠሉ ከባቢ ሰዌቶ ንኣዋርሕ መብራህቲ የብሉን: ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ልዕሊ 100 ስድራቤታት ኣብ ሽምዓን ባተሪን ይነብሩ። ስራሕ ንምርካብ ድማ ካልእ ጸገም ከምዝኾነ ይሕብር።

ንስራሕ ንከመልክት ወረቐት ንምጽሓፍ ወይ ኮፒ ንምግባር`ኳ ናብ ካልእ መብራህቲ ዘለዎ ቦታ ክኸይድ ኣለኒ። ንዕኡ ንምግባር ድማ ናይ ወረቐትን ናይ መጎዓዝያን ገንዘብ የድልየካ። እቲ ዝገርም ግን ንባዕሉ እቲ እንኸዶ ከባቢ ሹቕ `ውን መብራህቲ ስለዝጠፍኦ ካልእ ጸገም`ዩ ዘጋጥመና።"

ቅድሚ ምርጫ ሓደ ዓመት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምብቃዕ ምቁራጽ ኤለክትሪክ ቀዳማይ ዕማሙ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ`ሎ። እንተኾነ ገዛኢ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝሓለፈ ዳርጋ 10 ዓመታት ክብሎ ዝጸንሐ ተስፋ`ዩ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድማ ትዕግስቶም ይጽንቀቕ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG