ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ጸገማት፣ ተኽእሎታትን ዕድላትን’ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን


ጳውሎስ ተስፋገርጊስን ኣለማየሁ ፈንታውን

መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ‘ጸገማት፣ ተኽእሎታትን ዕድላትን ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያ/ትግራይን’ ብዝብል ንኣለማየሁ ፈንታውን ጳውሎስ ተስፋገርጊስን ክዘራረቡሉ'ዮም።

ኤርትራዊ ኣቶ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊዮርጊስ እዩ ካብ ዩኒቨርሲቲ ማክጊል ካናዳ ናይ ሕጊ ዲግሪ ረኺቡ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኤርትራ ናይ ሕጊ መምህር ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ።

ኣብ ሰማንያታት፣ ንኣህጉራዊ ትካል ረድኤት ኤርትራያውያን ዜተሓባብር ዝነበረ: ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፣ ንቅዋም ኤርትራ ምስ ዘዳለወ ኮሚሽን ኮይኑ ዝሰርሐ'ዩ። ብ2002 ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስን 17 ካልኦት ኤርትራውያንን "ንድሕነት ኤርትራ ተበግሶ ዜጋታት" (ሲ. ኣይ. ኤስ.) ዝብል ማሕበር መስሪቶም እዮም።

ካልኣይ ጋሻና ኢትዮጵያዊ ኣቶ ኣለማየሁ ፈንታው ኣብ ሚያዝያ 2009 ካብቲ ኣብ ሽላይኒንግ ኦስትርያ ዚርከብ ማእከል መጽናዕቲ ሰላም ዩኒቨርሲቲ ኤውሮጳ ብውሕሉል ስነ ጥበብ መጽናዕቲ ሰላምን ግጭትን ተመሪቑ፣ ኣብ ሳልዝበርግ ግሎባል ሰሚናር’ውን ተሳቲፉ እዩ።

ኣብ ሕዳር 2011 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ:ፊላደልፍያ: ፐንሲልቫንያ ከምኡ'ውን ኣብ ሳንታ ባርባራ ዩኒቨርሲቲ ቪላኖቫ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሱፎክ ኮለጅ ሳይንስን ስነ-ጥበብን በጻሒ ፕሮፌሰር ኣስተምህሮ መንግስቲ ዀይኑ ይዓዪይ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

‘ጸገማት፣ ተኽእሎታትን ዕድላትን’ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን
please wait

No media source currently available

0:00 0:13:14 0:00


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG