ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ለንደን


ፕረዚዳንት ትራምፕ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ ብሪጣኒያ ዑደቶም ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ቤተ መንግስቲ በኪንግሃም ንክብሮም ዘዳለውኦ ስነስርዓትን ባህላዊ ትርጉምን ዘለዎ እንግዶት ድራር ከምዘሓጎሶም ገሊጾም።ኣብዚ ዑደት ፕረ. ትራምፕ ብዛዕባ ምውፃእ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ/Brexit/ን ንናይ ለንደን ከንቲባ ሳዲቅ ኸሃን ከም ፀርፊ ዝተርኣየ ዝሃቡዎም ርእይቶታት ኣብ ምስሕሓብ ዝኣተውሉ ኩነታት እውን ኣሎ።

ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ብሪጣንያ ዝገበሩዎ መንግስታዊ ዑደት ብንግስቲ ኤልሳቤጥ ስነስርዓት ንጉሳዊ ኣቀባብላ ዝተዓጀበ ነይሩ።

እቲ ስነስርዓት ንኽብሮም ዝተዳለወ ወታደራዊ ሰልፊ ምዕዛብ እውን ይሓውስ።ከም ኣካል ዝኽሪ መበል 75 ዓመት D-Day ካልኣይ ውግዕ ዓለም ኣብ ዌስት ሚንስትር ኣቢ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መቓብር ዘይፍለጥ ወታደር ዕታር ዕንባባ ኣንቢሮም ኣለው።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ዕለት ንጉሳዊ እንግዶት ድራር ንግስቲ ኤልሳቤጥ “ሓደ ዝገብረና ፀጥታና ጥራሕ ኣይኮነን።ፅኑዕ ባህላዊ ምትእስሳርናን ናይ ሓባር ውርሻታትናን እውን እምበር” ኢለን።

ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብወገኖም ኣብቲ ስነ ስርዓት እንግዶት ድራር “ብሽም ኩሎም ኣሜሪካዊያን፣ስለ ነባራዊ ምሕዝነት ህዝብና፣ስለ ህያውነት ሃገርና፣ስለ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝፍተውን ዝድነቕን ፅላሎት ንግስነትክንን ዝሓዝኩዎ መስተ ብክብሪ የልዕል ኣለኹ” ኢሎም።

ኣብቲ ስነስርዓት ዓበይቲ ደቂ ፕረዚደንት ንትራምፕ እውን ተጋቢዞም እዮም።

ክብደት መንግስታዊ ዑደት፡ ስነ ስርዓቱን ባህላዊ ምልክቱን’ኳ እንተኾነ ፕረዚደንት ትራምፕ ቅድሚ ኣብ ቤተ መንግስቲ በኪንግሃም ምብፅሖም ዲፕሎማሲያዊ ሕልኽላኻት ዝፈጥሩ ተዃታኺ ዛዕባታት ብምልዓል ርእይቶታት ፈኒዮም እዮም።ንቀዳመይቲ ሚንስትር ተሪሳ ሜይ ከሕንኽ ዝኽእል ንቦሪስ ጆንሰንን ኒገል ፋራግን ምድጋፎም ሓዊሱ ብዛዕባ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝብል ጉዳያት ርእይትኦም ሂቦም።

ቀ/ሚ ሜይ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክፍፀም ዝገበርኦ ልዝብ ፓርላማ ስለዘየፅደቐለን ካብ ስልጣነን ክወርዳ ምግዳደን ይዝከር። ፕረ.ትራምፕ ብራስለስ ንሕቶታት ብሪጣንያ ንምምላስ እንተዘይክኢላ ብሪጣንያ ብዘይ ስምምዕ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክተወፅእ ኣለው ክብሉ ፀዊዖም ኣለው።

ማእኸል ማሪጋሪት ታቸር ንነፃነት ኣብ ዝብል ትካል ዝሰርሑ ኒል ጋርድነር ብዛዕባ’ዚ ርእይቶም ከምዚ ክብሉ ይህቡ።

“ፕረዚደንት ትራምፕ ንብረግዚት/Brexit/ ልባዊ ደገፎም እናሃቡ ፀኒሖም እዮም።እዚ ኣብ ንግዳዊ ውዕል ኣሜሪካን ብሪጣንያን ቀዳምነት ዝውሃቦ ዓብይ ጉዳይ እዩ።”

ትራምፕ ቦሪስ ጆንሰን ዝቕፅል ቀዳማይ ሚንስትር ብሪጣንያ ክኾኑ ደገፎም ይገልፁ ኣለው።

ዜጋታት ብሪጣንያ ብዛዕባ ርእይቶታት ፕረ. ትራምፕ ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ኣለዎም።ኢኒጎ ኣክላንድ ከምዚ ይብል።

“ኣነ ብውልቀይ ቦሪስ ጆንሰን ዝጥበሩ ሰብ ኮይኖም ይስምዑኒ።ፕረ.ትራምፕ ከም ቦሪስ ጆንሰን ዝበለ ሰብ ክድግፉ ድማ ይርድኣኒ እዩ።”

ሻሮን ዌልስ ዝተባህለት ወሃቢት ርእይቶ ድማ “ብዛዕባ ይፍፀም ዘሎ ርእይቶ እንተሂቦም ፀገም ዘለዎ ኮይኑ ኣይስምዓንን።ዝተብሃሉ ኩሎም ብሓባር ክንሪኦም ኣለና ግን ኸኣ ፀገም ዘለዎ ኣይኮነን።”

ንካልኣይ መዓልቲ ዑደት እቶም ፕረዚዳንት ንምቅዋም ኣብ ብሪጣንያ ዝተታሕዘ ኣካል መደብ ተቓውሞ ሰልፊ ‘’ህፃን ትራምፕ’’ ዝብል ባምቡላ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ናይ ከተማ ለንደን ሰማይ ክበርር ከንቲባ ለንደን ኽሃን ፈቒዶም እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ለንደን
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:26 0:00

XS
SM
MD
LG