ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸብጻብ፤ ዑደት ሚኒስተር ገንዘብ ኣመሪካ ናብ ኣፍሪቃ


ጸብጻብ፤ ዑደት ሚኒስተር ገንዘብ ኣመሪካ ናብ ኣፍሪቃ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:16 0:00

ጸብጻብ፤ ዑደት ሚኒስተር ገንዘብ ኣመሪካ ናብ ኣፍሪቃ

ሓላፊት ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ጃነት የለን፡ ኣብቲ ንዓሰርተ መዓልታት ዝቕጽል ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደታ፡ ኣብ ዛምቢያ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ዕዳ እታ ሃገር ንምቅላል ኣመሪካ ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣትያ። የለን ኣብ ናይ ሰሉስ ዑደታ፡ ብቐንዱ ኣብ ውሕስነት መግቢ ዘተኰረ ዑደትን ርክብ’ያ ኣካዪዳ።

ሎሚ ረቡዕ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣምሪሐን ምስ ፕረዚደንት ሲርዩል ራማፎዛ ክራኸባ መደብ ወጺኡለን ዘሎ፡ ሚንስተር ገንዘብ ኣመሪካ ጃነት የለን፡ ትማሊ ሰሉስ ብቐንዱ ሕርሻዊ እቶት ኣፍሪቃ ኣብ ምዕባል ዝብል ዛዕባ’የን ኣተኲረን ተዛራሪበን። ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን፡ ናብ ኣፍሪቃ ዝኣቱ ዝነበረ እኽሊ ምቍርራጽ ስለ ዘጋጠሞ፡ እቲ ኣተኵሮ ውሕስነት መግቢ ዝፍጠረሉ መገዲ ምንዳይ’ዩ።

ቾንግወ ኣብ ዝተባህለት ካብ ሉሳካ ኣስታት ሓደ ሰዓት ርሒቓ ኣብ ዘላ ዓዲ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ቀንዲ ኣተኵሮ እታ በዓልቲ መዚ ነዊሕ ክጸንሑ ዝኽእሉ ኣእካል ምትካል ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ውሕስና ዝህብ ምዃኑ ምስ ሓረስቶት ዘትየን።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ምስ ብኣመሪካ ዝምወል ናይ ሕርሻ መደብ ዝነጥፋ ደቀንስትዮ ተረኺበን ነይረን። ነተን ኣብቲ ስራሕ ተዋፊረን ዝርከባ ሓረስቶት፡ ዘይተቖራረጸ ቀረባት ድዅዒ ዝረኽባሉ መገዲ ክፍጠር ምዃኑ ጃነት የለን ጠቒሰን።

እተን ኣመሪካዊት በዓልቲ መዚ፡ ብሰኑይ ምስ ፕረዚደንት ዛምቢያን ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገርን’ያ ተራኺበን። ካብ ቀዳምነታት ኣመሪካ፡ ዕዳ ዛምቢያ ኣብ ምትዕርራይ ምዃኑ ድማ ነቶም ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን ሓቢረን።

ዛምቢያ ብሃገር ደረጃ ኣብ ናይ ዕዳ ቅልውኣመሪካ ምእታዋ ዝገለጸት ቀዳመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር’ያ። ጠቕላላ ዕዳ እታ ሃገር ኣስታት 17 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ።

ዛምቢያ ካብቲ ሃገራዊ ዕዳ ንምንጋፍ ንሃገራት ጕጅለ 20 ሓገዝ ሓቲታ ነይራ። ትግባረ ናይቲ ሓገዝ ግን ከምቲ ትጽቢት ዝግበሮ ኣይቀጸለን። ኣመሪካ፡ ነቲ መስርሕ ቻይና ተደናጉዮ ምህላዋ ትኸስስ። እንተዀነ፡ እተን ሚኒስተር ገንዘብ፡ ምስ ቻይናዊ መዘናኣ ድሕሪ ምርኻባ ተስፋ ከም ዘሎ ጠቒሰን።

“ግልጺ ኰይነ ክዛረቦ ዝኽእል፡ ቻይና ኣብቲ ዝርርብ ዕንቅፋት ኰይና ምጽናሓ ርዱእ’ዩ። ብፍላይ ናይ ዛምቢያ ዕዳ ዝምልከት ግን ምስ ሰብ-መዚ ቻይና ተዘራሪበሉስ ምትሕብባር ከም ዘድሊ’ውን ነጊረዮም።”

ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላሚ ዑደት ዝገበረ ሓድሽ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና፡ ነቲ ሃገሩ ዕዳ ኣፍሪቃ ኣብ ምስራዝ ትዕንቅጽ ኣላ ዝብል ዘረባ ነጺጉዎ ነይሩ።

ቅድሚ ናይ ዛምቢያ ዑደታ፡ እታ ሚኒስተር ገንዘብ ናብ ሴነጋል በጺሐን ነይረን። ኣብኡ’ውን ምስ ፕረዚደንት ሴነጋል ማኪ ሳልን ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገርን ተራኺበን። ምስ ደቀንስትዮ ኣውፈርቲ እታ ሃገር’ውን ርክብ ገይረን።

ሎሚ ረቡዕ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምጕዓዝ ናይ ኣፍሪቃ ዑደተን ዝዛዝማ ዘለዋ ሚኒስተር ገንዘብ ኣመሪካ ጃነት ጃነት የለን፡ ድሕሪ ሚኒስተር ዑደት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ምዃኑ’ዩ።

ሩስያ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ምሕዝነት ንምምላስ’ያ ትሰርሕ ዘላ። ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ መንጎ’ተን ንወራር ሩስያ ዘይኰነና ብዙሓት ኣባላት ሃገራት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት’ያ።

ዋሽንግተን ካብ ዝመደበሩ ማእከል ስትራተጂን ዓለማዊ መጽናዕታትን ዝዀነ ካሜሮን ሃድሰን ነቲ ብኽልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ዘሎ ቅድድም ከብርህ እንከሎ ከምዚ ይብል፤

“እቲ ሚያዝያ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ድምጺ፡ ንኣመሪካ ናይ መዘኻኸሪ ደወል’ዩ ነይሩ። ኣመሪካ፡ ምሉአን ሃገራት ዓለም ንሩስያ ክዅንና ተስፋ ገይራ ነይራ። እቲ ሓሳብ ግን ኣይሰመረን። ቀንዲ ድማ ካብ ኣፍሪቃ’ዩ ዕንቅፋት ኣጋጢሙዎ። እዚ ከኣ ሓደ መልእኽቲ’ዩ ዘሕልፍ። መራሒት እቲ ናጻ ዓለም ክትከውን እንተ ደልያ፡ ብግቡእን ኣብነትን ክትመርሕ የድሊ። ነቲ ደሞክራሲን ናጻ ሓሳባትን ዝበልካዮ ህዝቢ ምስ ዘይስዕቦ ግን ገለ ጸገም ከም ዘሎ ዘርኢ’ዩ። ከምኡ እንተዀይኑ ድማ ኣብ ከቢድ ጸገም ከም ዘለኻ ዘዘኻኽር’ዩ።”

ድሕሪ ናይ ሚኒስተር ገንዘብ ዑደት ንኣፍሪቃ፡ ቀጺለን ናብታ ኣህጉር ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክገብራ መዲበን ዘለዋ ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀና ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ’የን። እተን ኣምባሳድር ናብ ጋና፡ ሞዛምቢክን ኬንያን ክበጽሓ መደብ ወጺኡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG