ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ዓይደር ሆስፒታል ከተማ መቐለ


ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ሀዘር መርዶክ ትማልን ሎምን ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ምስ ዝሰርሑ ሰብሞያን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን ዝገበረቶ ጻንሒት ከምዚ ክትብል ትገልጽ::

" ሰራሕተኛታት'ቲ ሆስፒታል ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ንኹሎም ሕሙማት ዘጋጥሙ ዘለዉ ጸገማት'ውን ብውሕዱ ነጊሮምኒ'ዮም።ንኹሉ ብሓፈሻ ዝጎድኡ'ዮም። ንነዊሕ ግዜ ናይ ኤለክትሪክ ኣገልግሎት ብዘይምንባሩ ዝበዝሐ መሳርሕታት ኣዕምዩሎም'ዩ። ሕጂ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ተመሊሱ'ሎ። ኾይኑ ግን ንተሓከምቲ ንምክንኻን ዘኽእሎም መሳርሕታት ንምትካእ ኣይክኣሉን። ካብ ዘዘራረብክወን ተሓከምቲ መብዛሕቲአን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቀንስትዮ'የን። እዚ ጸገም'ዚ ኣብ ትግራይ ብስፍሓት ዝርኣይ'ዩ።ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ካብ 500 ዝበዝሓ ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸመን ደቀንስትዮ ናብ'ቲ ሆስፒታል ከምዝመጻ ነጊሮምና።"

ጋዜጠኛ ሀዘር፡ ኩነታት'ተን ተጠቃዕቲ ካብቲ ልሙድ ፍልይ ዝበለ ምዃኑ ከምኡ'ውን ግዳያት ብቕልጡፍ ሕክምና ከይረኽባ ይገብር ምህላዉን ሓላፊት ማሕበራዊ ኣገልግሎት'ቲ ሆስፒታል ነጊራትኒ ትብል፥" ንሳ ከም ዝበለትኒ ብልሙድ ከምኡ ዓይነት ኣገልግሎት ንምርካብ ዝደልያ ደቀንስትዮ ናብ ሕክምና ዝመጻ ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ንጽባሒቱ'የን ዝመጻ። ሕጂ ግን ብምኽንያት ኩናት መንገድታት ብምዕጻዎም፡ ከምኡ'ውን ብፍርሓትን በቶም ዝዓመጽወን ክንቅተል ኢና ብዝብል ስግኣት ናብዚ ቅድሚ ምምጽአን ሓደ ሓደ ግዜ ንኣዋርሕ ይጸንሓ። በዚ ምኽንያት እተን ደቀንስትዮ ኣብ ግዚኡ ክረኽብኦ ዝግባእ ኣገልግሎት ሕክምና ከይረኸብኦ ይድንጉያ። ስለዚ ሰለስተ ኣዋርሕ ደንጉየን እንተመጺአን፡ ጥንሲ ኾነ ተመሓላላፊ ሕማማት ምቁጽጻር ኣይክኣልን።"

ጋዜጠኛ ሀዘር ካብተን ዝተዓመጻ ዝሰምዓቶ ዘጨንቕ ሓዲሽን ተመሳሳልን ምዃኑ ትጠቅስ። ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ካብ ሓደ ንላዕሊ ብዝኾኑ ወተሃደራት ከምዝኾነ ከምዝነገርዋ'ውን ትገልጽ፣" ገና 16 ዓመት ዝኾና ኣንስተይቲ ኣዘራሪብና። ሓንቲ ናይ ኮለጅ ተመሃሪት ከምዝነበረት ዝነገረትና ካልእ ጓል 22 ዓመት ድማ፡ ናብ ሰራዊት ክትስለፍ ዝሓተትዋ ወተሃደራት እምቢ ብምባላ ኣብ ገዝኣ ከምዝዓመጽዋ ትዛረብ። ሕጂ ኣብዚ ኣብ መቐለ ዝርከብ መዕቆቢ ትነብር ኣላ ኢሎምና ግን ናብቲ መዕቆቢ ክንከይድ ኣይክኣልናን- ናይቲ ቦታ ምስጢርነት ክሕሎ ደልዮም ኣለዉ::"

ሀዘር ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ ኢላ ዝጠቐሰቶ ንሕክምና ናብ መቐለ ካብ ዝመጻ ዝበዝሓ ካልኦት ደቀንስትዮ ሕጂ'ውን ዘይምምጽአን ምስምዓ ምዃኑ ሓቢራ'ላ።

እተን ደቀንስትዮ እቲ መጥቃዕቲ ዝወረደን ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምዃኑ ከምዝዛረባ ነዚ ዘቕርብኦ መረዳእታ ድማ ናይ ወተሃደራት ዩኒፊርምን ቋንቋን ምዃኑ ትገልጽ።

ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ዘሎ ኩነታት ናይ ምምሕያሽ'ዶ ወይስ ናይ ምግዳድ ምልክት ይርኣዮ'ሎ ዝብል ሕቶ ዝቐረበላ ሀዘር መርዶክ ከምዚ ዝስዕብ ክትብል መሊሳ፥"እቲ ግጭት ብርግጽ ቀጺሉ'ዩ ዘሎ። እቲ ውግእ ምናልባት እናረሓቐ ወይ እናዘሓለ እንተመጸ'ኳ ሕጂ'ውን ብተደጋጋሚ ይኽሰት'ዩ። ኣብ መቐለ እቲ ኩነታት ዝተረጋግአ እንመሰለ'ኳ ምሸት ወተሃደራት ናብ ሆስፒታል ክመጹ ርኢና ኢና። ሰብ ሞያ ሕክምና ብብመዓልቱ ካብ ዝካየድ ውግእ ዝመጹ ወተሃደራት ይሕክሙ ምህላዎም ነጊሮሙና'ዮም። በቲ ኩናት ዝቖሰሉ ሕጻናት'ውን ነቲ ሆስፒታል መሊኦሞ ኣለዉ።"

ናብቲ ቦታ ዝተጓዓዘት ጋዜጠኛ ሀዘር መርዶክ ካብቲ ሆስፒታል ወጻኢ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ድማ ከም ሓውዜን ዝኣመሰሉ ተደጋጋሚ ውግኣት ዘተኣናገዱ ስፍራታት ኣገልግሎቶም ከምዝዓነዉ፡ ነበርቲ'ውን ድሕነት ከምዘይስምዖም፡ኣብቲ ኩናት ዝሞቱ ብጅምላ ዝተቐብሩ ኣዝማዶም ብደንቢ ቤተ ክርስትያን ንክቕበሩ ድጋፍ ሰበስልጣን ይሓቱ ከምዘለዉ ነጊሮምና ትብል ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ዓይደር ሆስፒታል ከተማ መቐለ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:15 0:00


XS
SM
MD
LG